Saturday, August 22, 2015

ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ዓመታዊ ገምጋም "ሬድዮ ተቓወምቲ ምስማዕ" ከም ቀንዲ መገማገሚ ነጥቢ ኮይኑ ይቐርብ ምህላዎም ተሓቢሩ።




ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ሙሉእ ኣሃዱታት ምክልኻል ሰራዊት ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መጠነ ሰፊሕ ዓመታዊ ገምጋም ወተሃደር ብዘይ ምቁራፅ እናፈረሰ ዝጠፍእ ዘሎ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብዘካይዱ ዉድባት ዝፍኖ ሬድዮ ምስማዕ ካብ'ቶም ጠንቅታት ሓደ ስለ ዝኾነ። ንምንታይ ትሰምዑ?፤ በዓል መን እዮም ዝሰምዑ ክወፁ ኣለዎም እናተብሃለ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሓያል ፀቕጢ ዝተመልኦ ኣኼባ ኣዘዝቲ ባዕሎም መጋማገምቲን ገምገምትን ብምዃን ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሰራዊት የባርሩን ይኣሰሩን ከም ዘለዉ ተገሊፁ።
ብፍላይ ድማ ኣብ ሰሜን እዚ ዝካየድ ዘሎ ዓምታዊ ገምጋም እቲ ኣባል ሰራዊት ሓቀኛን ሃናፅን ገምጋም እዩ ኢሉ ስለ ዘይኣመነሉ ዝኾነ ይኹን ሓሳብ ካብ ምሃብ ተቖጥቡ እኳ እንተሎ እቶም ሰብ ረብሓ ዝኾኑ ላዕለዎት መኮንናት "ኣብ'ዚ ተኣኪብና ዘለና ሰራዊት ኣንፀላልይዎ ካብ ዘሎ ሓደጋ ምብትታን ክነድሕን ስለ ዝኾና ሬድዮ ተቓምቲ ንምንታይ ትሰምዑ ክብሉ ኣብ ዘቕረብዎ ኣጀንዳ። በቶም ተኣከብቲ ድማ "ዝኾነ ሚድያ ምስማዕ ሕገ መንግስታዊ መሰል ዜጋታት እዩ" ክብሉ ንዝተቓወሙ "ንስኹም ኣረኣእያኹምን ቀልብኹምን ምስ ምስ ተቓውምቲ  ኢኹም" ብምባል ከም ዝኣሰርዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።