Saturday, August 22, 2015

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ሰብ ሃፍቲ ተጋሩ ኣብ ክልል ትግራይ ኢንቨስት ክገብሩ ኣብ ዝቐረበሎም ጎስጓስ ኣብቲ ክልል ዘሎ ሱር ዝሰደደ ግዕዙይ ምሕደራ መጀመርያ ክስተኻኸል ኣለዎ ክብሉ ገሊፆም።



በመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ሰብ ሃፍቲ ተወለድቲ ትግራይ ዘለዎም ሃፍቲ ኣብ ክልል ትግራይ  ከውፍሩ ብ3 ነሓሰ 2007 ዓ.ም ብላዕለዋይ ካድረ ህወሓት ይርዳዉ ዝተብሃለ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝቐረበሎም ጎስጓስ ብግዕዝና ዝተጨማለቐ ምሕደራኹም ከየስተኻኸልኩም ገንዘብናን ግዜናን ኣይነባኽን ክብሉ ከም ዝነፀግዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
"ንሕና ሃፍትና ክነዉፍር እንተኾና መጀመርያ ኣብ'ቲ ክልል ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ተስፋሕፊሑ ዘሎ ግዕዝይና ጠጠዉ ኣቢልዎ፤ ፀረ ፍትሕን ሰናይ ምምሕዳርን ዝኾኑ ሽሞኛታት ይተኣለዩ፤ ብኣባልነት ሰባት ምፍልላይ ኣቋርፅዎ፤ ድኽነትን ድሕረትን ብምዉጋድ ዴሞክራስን ልምዓትን ክረክብ ዝተቓለሰ ህዝቢ ብናይ ዝሓለፉ ስርዓታት ኣካይዳ ትገርፍዎ ኣለኹም እዙይ ከይተፈወሰ ግና ኣብ ትግራይ ከይድና ነፍስሶ ሃፍቲ የለን ክብሉ ምስ ነፀግዎ እቲ መራሒ መድረኽ ሓሳቦም ሓቂ ኢሉ ካብ ምእማን ዝሰገረ መብርሂ ዘለዎ ግቡእ መልሲ ክህቦም ስለ ዘይከኣለ እቲ ኣኼባ ብዘይ ፍረ ከም ዝተበተነ ተፈሊጡ።