Saturday, August 22, 2015

ኣብ ዓብደ ራፊዕን ከባቢኣን ገንዘቦም ከውፍሩ ኣብ ስልጣን ብዘሎ ስርዓት ተዓዲሞም ኣብ ሕርሻ ስራሕቲ ዝተዋፈሩ ተጋሩ መሬቶም እናተመጠሉ ካብቲ ቦታ ይስጎጉ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።



ኣብ ክልል ኣምሓራ ዓብደ-ራፊዕን ከባብኣን ኣብ ዘሎ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት ኢንቨስት ክገብሩ ብገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ፃዊዒት ዝተገብረሎም ኢትዮጵያዉያን ተጋሩ ዘለዎም መዋእለ ንዋይ ኣፍሲሶም ካብ ዘካይድዎ ዝነበሩ ስራሕቲ ሕርሻ ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ ኣብዚ ዝብፀሓኩም መሬት የለን ዓድኹም ኪዱ እናበሉ ይሰጉዎም ምህላዎም ምንጭትና ካብ'ቲ ከባቢ ገሊፆም።
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ እቶም ሰብ ሃፍቲ ንዓመታት ሰሪሖም ብዝኣከብዎ ገንዘብ ወፃኢ ገይሮም ዘልምዕዎን ዘለሳስዎን ብሕጋዊ መንገዲ ዝተዋህቦም ናይ ሕርሻ መሬት ተመንጠሎም ምስተሰጎጉ ዝነበሮም ትራክተራትን ካልእ መሳርሕን ሒዞም ኣብ ከተማ ሑመራ ንምምሕዳር ዞባን ወረዳን ዘስርሓና ስኢና ክብሉ ንዘቕረብዎ ጥርዓን ካብቶም ስማዒ ኣካል ስኢና ዝበሉ ሓደ ኣይተ ሽሻይ ዝተብሃለ ዝርከቦም ኣብ ከተማ ሑመራ ብዘይ ስራሕ ኮፍ ኢሎም ይዉዕሉ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።