Sunday, September 6, 2015

ኣብ ከተማ መቐለ ዝነብሩ መናእሰይ ነቲ ክካየድ ዝቐነየ ጉባኤ ህወሓት ኢህወዴግ ክሳብ ዝዉዳእ ሓለዋ ክወፅኡ መዓልታዊ ድማ 200 ብር ከም ዝኽፈሎም ዝተኣተወሎም መብፅዓ ከም ዝተጠልሙ ተፈሊጡ።

ብመሰረት እቲ ካብ'ታ ከተማ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ ዝቐነየ ምስሉይ ጉባኤ ህወሓት ኢህወዴግ ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ኣብ ዝነበሩ መዓልቲታት በብቀበሊኡ ዝርከቡ መናእሰይ ንመዓልቲ ብሒሳብ 200 ብር ቀትሪ ይኹን ለይቲ ድሕንነት ናይ'ቶም ሰበ ስልጣን ንምዉሓሰ ሓለዋ ክወፁን ሓለዋ ዝወፅሉ በዝሒ መዓልቲ ተፀብፂቡ ከም ዝኽፈሎም ብዝምልከቶም ኣካላት ዝተኣተወሎም ቃል ድሕሪ እቲ ኣኼባ ዋጋ ድኻሞም እቲ ክኽፈሎም ዝተበሃለ ገንዘብ  ኣብ ዝሓተትሉ ግዜ ኣይትኽፈሉን ዝብል ምላሽ ከም ዝተወሃቦም ተገሊፁ።
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ እቶም በቲ ዘይሓለፍነታዊ ምላሽ ዝቃሓሩ መናእሰይ ዋጋ ድኻምና ንምንታይ ዘይኽፈለና?፤ ባዕልኹም ዶ ኣይኮንኩም ቃል ዝኣተኹምልና ክብሉ ብ26 ነሓሰ 2007 ዓ.ም ፈቐዶ ይምልከቶም ናብ ዝበልዎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብያተ ፅሕፈት ጥርዓኖም እናስምዑ እኳ እንተወዓሉ ቆላሕ ዝብሎም ስኢኖም መረረቶም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።