Sunday, September 6, 2015

ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ጉባኤ ህወሓት ኢ-ዴሞክራስያውን ምስሉይን ከም ዝነበረ ካብታ ከተማ ምንጭታትና ገሊፆም።



    ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቦም ዝተዓዝቡ ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ  ካብ ማእኸላይ ኮሜቴ ህወሓት  ብድሌቶም  ብኽብሪ ተፋንዮም  ዝተባሃሉ ነባራት ተጋደልቲ ንሚድያ ንምምዕራግን ነቲ ውድብ ዲሞክራሲያዊ ንምምሳልን ደኣ’ምበር ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ መንጎ እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ዝተፈጠረ ኣፈላላይ ንምህዳእን ነቲ ምስጢር ንምሕባእን ዝተጠቐምሉ ምስሉይ ኣካይዳ ናይ'ቲ ጉጅለ ምዃኑ ተፈሊጡ።
   እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ እቲ ካብ 12 ነሓሰ 2007 ዓ/ ጀሚሩ ንዝተኻየደ ጉባኤ  ኢ-ዴሞክራስያዊ ኣካይዳ ይኽተል ብምንባሩ ኣብ'ቲ ጉባኤ ንዉድብ ህወሓት ብኣቦ መንበርነት ዝመርሕ ኣብ ዝብል ውድድር ዶክተር ደብረፅዮን ብ20 ብልጫ ኢድ ወሲዱ እናሃለወ  እንተኾነ ኣባይ  ወልዱ  ካብ'ቶም  ክቕነሱ ኣለዎ ዝተባሂሉ ዝዝረበሉ ዝነበረ ብኣቦ መንበርነት ነቲ ውድብ ክመርሕ  ከም ዝሰዓረ ኣምሲሎም ከም ዘቕረብዎን ኣብ መንጎ ማእኸላይ መሪሕነት እቲ ውድብ ተፈጢሩ ዝነበረ ሓያል ኣፈላላይ ግዜ እኳ ተዋሂብዎ እንተነበረ ብድብድቡ ከም ዝሓለፈ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።