Monday, January 11, 2016

ከተማ ኣዲስ ኣበባን ምስ ኣብ ዙርያኣ ዝርከባ ከተማታት ፍሉይ ዞባ ኦሮምያን ዘተኣሳስር ብዝብል ዝወፀ ኣዋጅ ተኸቲሉ፣ ዝተለዓለ ህዝባዊ ተቓውሞ ልዕሊ 140 ንፁሃት ሰባት ከም ዝተቐተሉ ሁዩማን ራይትስ ዎች(H.R.W) ገሊፁ።



ዓለም ለኸ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰል ሁምናን ራይትስ ዎች ብ29 ታሕሳስ 2008 ዓ.ም ኣብ ዘዉፅኦ መግለፂ፣ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ምስ ኣብ ዙርያኣ ዝርከባ ከተማታት ፍሉይ ዞባ ኦሮምያን ብመሰረተ ልምዓት ምትእስሳር ብዝብል ንዝወፀ ኣዋጅ ስዒቡ ኣብ ዝተኻየደ ተኸታታሊ ህዝባዊ ተቓውሞ፣ ብዕጡቛት ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ዝተቐተሉ ንፁሃት ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ቁፅሪ ልዕሊ 140 በፂሑ ኣሎ ክብል ኣፍሊጡ።
እቲ ዓለም ለኸ ትካል ወሲኹ ከም ዘረድኦ፣ እቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲቲታትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን ጥራሕ ዘይኮነ ተኻይዱ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዝነብር ሓረስታይ ከይተረፈ ዝተሳተፈሉን ብምዃኑ፣ ልዕሊ እቲ ተቐሚጡ ዘሎ ቁፅሪ ህይወቱ ዝሰኣነ ሰብ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ፣ እቲ140 ተባሂሉ ዘሎ ግን ትኽክለኛ ብሓይልታት ፀጥታ ዝተቐተሉ ሰባት ብስእሊ ዝተሰነየ መረዳእታ መሰረት ብምግባር ዝወፀ ሓቀኛ መርትዖ ዘለዎ ከም ዝኾነ ኣብቲ ዝወፀ መግለፂ ኣረዲኡ።