Monday, January 11, 2016

ዲላ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዉሽጡ ንዘጋጠሞ ናይ ቦምብ ምፍንዳእ ሓደጋ ስዒቡ፣ ናይ ምምሃርን ምስትምሃርን ስራሕቱ ደዉ ከም ዘበለ ተገሊፁ።



እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፣ ካብ 26 ታሕሳስ 2008 ዓ/ም ጀሚሩ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዲላ ትምህርቶም ጠጠዉ ከም ዘበሉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ እቶም ተማሃሮ ናይ 1 ዓመት ፈተንኦም ንምዉሳድ ክልተ ሰሙን ጥራሕ ምስ ተረፎም፣ ናብ ትዉልዲ ዓዶም ከም ዝተመለሱን እቲ ዩኒቨርሲቲ ድማ ናይ ምምሃርን ምስትምሃርን ስራሕቱ ደዉ ከም ዘበለን ተፈሊጡ።
ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ከተማ ዲላ ልዑል ዝኾነ ናይ ትራንስፖርት ሽግር ከም ዝተኸሰተን ኣብ ተምሃሮን መምህራንን ድማ ቡዙሕ ምንግልታዕ ከም ዘጋጠሞምን፣ ቅድም ክብል ካብ ዲላ ንሃዋሳ 40 ብር ጥራሕ ዝነበረ ዋጋ መጓዓዝያ ኣብ'ዚ ሕዚ እዋን ግን ክሳብ 320 ብር ከም ዝበፅሐ እዚ ድማ ኮነ ተባሂሉ ምስ'ቲ ኩነታት ተኣሳሲሩ ብገዛኢ ስርዓት ዝተገብረ ምዃኑ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።