Sunday, January 31, 2016

ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ውልቂ ትሕዝቶ መረጋገፂ ካርታ ንምውሳድ ንካሬ ሜትር ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ብር ንክኸፍሉ ውጡን ከም ዝተዳለው ካብ ፈለጥቲ ምሽጥር ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።



ናይ ነበርቲ ብፅሒት ትሕዝቶ መሬት ዝበሃል ሰብዓን ክልተን ካሬ ሜትር ጥራሕ እንትኾን፣ ብትሕዝትኡ ተኸሊሉ ናይ ሓመድ ግብሪ ክኽፈሎ ዝፀነሐ ብፅሒቶም ከም ዝኾነ ንምኽባርን ናይ ዉልቆም ንምግባርን ዝተረፈ መሬት ተለኪዑ ንሕድሕድ ካሬ ሜትር ሰለስተ ሽሕን ሸውዓተ ሚኢትን ሽድሽተን ብር ንክኸፍሉን ብሊዝ ንኸዛዋውርዎን ዝተወጠነ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ቅድሚ ሕዚ ናይ መሬት በዓል ዋና ዝኾነ ሰብ ናይ ትሕዝቶ መረጋገፂ ንምርካብ ዝኽፈል ዝነበረ ብጠቕላላ ሓሙሽተ ሽሕ ብር ጥራሕ ዝነበረ እንትኾን፣ ነቲ ኣሰራርሓ ብምቕያር ብካሬ ሜትር ብሊዝ ደረጃ ተወሳኺ ገንዘብ ብምኽፋል ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ካብ ዜጋታት ልዕሊ ዓቐን ገንዘብ ንምምንዝዕ ዝተለሞ ሓዱሽ ኣካይዳ ምዃኑ ፈለጥቲ እቲ ጉዳይ ወሲኾም ይገልፁ።

No comments:

Post a Comment