Sunday, January 31, 2016

ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ዝርከቡ ተወለድቲ ኦሮሞ ዝኾኑ ወተሃደራዊ መኮንናት ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ተኣሳሲሩ ንምእሳርን ንምብራርን ሽርሕታት ይምሃዝ ከም ዘሎ ምንጭታት ገሊፆም።



ኣብ ዉሽጢ ምክልኻል ሰራዊት ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ንነዊሕ ዓመታት ከገልግሉ ዝፀንሑ ተወለድቲ ኦሮሞ ዝኾኑ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት፣ ብምኽንያት ማስተር ፕላን ናይ ኣዲስ ኣበባ ዝመንቀሊኡ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልል ኦሮሚያ ዝካየድ ዘሎ ኣንፃር ገዛኢ ስርዓት ዘቕነዐ ሓያል ተቓውሞ፣ ኢድ ኣለዎም ተባሂሎም በቲ ስርዓት ዝተጠርጠሩ መኮንናት ንምእላይ ሽርሕታት ይመሃዝ ምህላው ካብቲ ምክልኻል ልሒኹ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ፣ በቢቦትኡ እናተኻየደ ዝርከብ ዓብዪ ምንቅስቓስ ዘለዎ ህዝባዊ ተቓውሞ "ዝውሰድ ዘሎ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ዘይተመጣጠነን ገደብ ዘይብሉን እዩ" ብምባል ብሰራዊት ሕቶ ክለዓል ኣብ ምግባር ግደ ብርክት ዝበሉ መኮንናት ኣለዎ ዝብል በቲ ስርዓት ጥርጣረ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ፣ ካብዞም መኮንናት ዉሽጢ ሓደ ሓደ ኣብ ላዕለዋይ ስራሕ ክፍሊ ናይ'ቲ ምክልኻል ብሓላፍነት ደረጃ ተቐሚጦም ክሰርሑ ዝፀንሑ እኳ እንተኾኑ፣ ምስቲ ዘሎ ኩነታት ተኣሳሲሩ ኣብ ልዕልኦም ነገራት ኣሳቢብካ ዝእሰርሉን ጠቕሊሎም ዝባረርሉን ንምፍጣር ተንኮላት ይመሃዝ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።      

No comments:

Post a Comment