Saturday, January 2, 2016

ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝወስዶ ዘሎ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ኮሚቴ ትካል ሲፒጀይ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዘዉፅኦ መግለፂ ኮኒኑ።



ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፣ ብገዛኢ ጉጅለ ስርዓት ኢህወዴግ ዘለዎም ስራሕ ሞያ ፈሊጦም ሓላፍነቶም ኣብ ልዕሊ ዝተዋፅኡ ጋዜጠኛታት ዝኽተሎ ዘሎ ናይ ምእሳር ተግባር ዝመርመረ ኮሚቴ ትካል ሲፒጀይ፣ ኣዳላዊ ቴሌቪዥን ጣብያ ኦሮሚያ ፍቃዱ ሚርካን ዋና ኣዳላዊ መርበብ ሓበሬታ ነገረ-ኢትዮጵያ ጌታቸዉ ሽፈራዉን ኣብዚ ቅንያት ዝኣሰረሉ ምኽንያት ኣግባብ ኣይኮን ክብል ከም ዝኾነኖ ተገሊፁ።

እቲ ዓለም ለኸ ተሟጓቲ መሰል ጋዜጠኛታት ኮሚቴ ዝኾነ ትካል ኣብ መግለፂኡ ወሲኹ ዘቐመጦ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ መንግስቲ ጋዜጠኛታት ምእሳርን ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ምግዳብን ጠጠው ከብል ድሕሪ ምቕማጥ፣ ብኣሕፅሮት እንግሊዘኛ ትካል ሲፒጀይ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ኮሚቴ ወሲኹ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ሰሙን ውሽጢ ክልተ ጋዜጠኛታት ኣሲሩ እቲ ዝተኣሰርሉ ምኽንያት ድማ ግልፂ ኣይኮነን እዙይ ድማ ጥሕሰት ሕጊ ዓለም እዩ ክብል ንቀይዲ በተኽ ኣካይዳ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ብግልፂ ከም ዝተቓወሞ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።