Saturday, January 2, 2016

ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ውፅኢት ተኮር መሰረት ዝገበረ ገምጋም ንፖለቲካዊ መሳርሒ ናይ'ቲ ስርዓት ይውዕል ምህላዉ ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብውፅኢት ተኮር ገምጋም ክሓልፉ እንድሕር ኮይኖም ኣባል ናይቲ ስርዓት ክኾኑ  ይግደዱ ከም ዘለው፣  ፈቓደኛታት  ንዘይኮኑ ድማ  ዝተሓተ ነጥቢ ተዋሂብዎም ካብ ዝኾነ ናይ ስራሕ ዕብዬት ይተርፉ ምህላዎም  ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣  ብፍላይ  ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ሓደ መምህር  መዐቀኒኡ ስርሑ  ዘይኮነስ  ኣባል ናይቲ ስርዓት ምዃንን ዘይምዃንን ሰለ ዝኾነ፣ እዚ ንፖለቲካዊ ሃልኪ እናተባህለ ዝግበር ገምጋም ውፅኢት ተኮር ንፅሬት ትምህርቲ ዓንቀፊ ኮይኑ ምህላዉ ምንጭታት ገሊፆም።

  ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ፣ ኣብ ሳዕሲዕ ፃዕዳ እምባ ዝርከቡ መምህራን ገንዘቦም ከፊሎምን ደኺሞምን  ብዘካየድዎ ፃዕሪ ኣብ  ትምህርቶም  ዋላ'ኳ  ምምሕያሽ እንተረአዩ ኣብ  ወሰኽ መሃያ ይኹን  ካልእ  ዝወሃብ ጥቕማ ጥቕምን ክረኽቡ ሰለ ዘይከኣሉ፣ ብሕግን ኣሰራርሓን መሰረት ክስርሓሎም ብተደጋጋሚ ንዝምልከቶም ኣካላት  ዘካየድዎ ጥርዓን ውፅኢት ክረኽቡሉ ስለ ዘይከኣሉ፣ እቲ ዝሰርሕዎን ዝኽፈሎም  መሃያ ተመጣጣኒ ክኸውን ሰለ ዘይከኣለ ኣብ ስርሖም ዓቢ ናይ ሞራል ውድቀት ፈጢርሎም ምህላዉ ንግዳያት መሰረት ብምግባር ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ኣፍሊጦም።