Friday, January 22, 2016

ኣብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ሆያ ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ገዛኢ ስርዓት ህወሓት/ኢህወዴግ ንዝጠመዩን ዝተሸገሩን ክውዕል ዝተረኸበ ሓገዝ ኣብ ዉልቃውን ቤተሰባዉን ረብሐኦም የዉዕልዎ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።



ብመሰረት ዝበፀሓና ሓበሬታ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ሆያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብድርቂ ተጠቕዖም ንመዓልቲ መዉዓሊ መሓደሪ ዝኸውን ምግቢ ሓርብትዎም ኣብ ዓብዪ ፀገም ዝወደቑ ወገናት ብርክት ዝበሉ ከም ዝኾኑ ድሕሪ ምግልፅ፣ ብሰንኪ ድርቂ ንዝኸፈአ ጥሜትን ሽግርን ዝተቓልዑ መዐንገሊ ክዉዕል ካብ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ሃገራትን ዝተረኸበ ስርናይ፤ ዘይትን ብርስን ኣመሓደርትን ካድረታትን ገዛኢ ስርዓት ንግዳያት ብኣግባቡ ኣብ ክንዲ ምክፍፋል፣ ሜላታት እናተጠቐሙ ወፃኢ ብምግባር ንዉልቆምን ቤተሰቦምን ረብሓ የዉዕልዎ ምህላዎም ተገሊፁ።
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ፣ እቲ ብሽም በዝሒ ዝተፀገሙ ወገናት ዝተረኸበ ሓገዝ ኣመሓደርቲ ምስ መሻርኽቶም የጠፋፍእዎ ከም ዘለዉ ህዝቢ ብወገኑ ነቲ ስልጣኖም ተጠቕሞም ዝፈፀምዎ ግጉይ ተግባር ንክእረሙ ኣብ መድረኽ ዝነቅፍ እኳ እንተኾነ ተመሊሶም ከም ሓደ ፀላኢ ቆፅሮም፣ ካብ ኩሉ መንግስታዊ ረብሓታት ወፃኢ ብምግባር ቁጠባዉን ሞርራዉን ሃሰያ ብምውራድ ርእሱ ከድንን ይገብሩ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።



No comments:

Post a Comment