Friday, January 22, 2016

እዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ንሃገርና ኢትዮጵያ ህልዉና ዝኸበደ እዋን ኮይኑ፣ ነዚ ዝምልከት ብሄራዊ ዕርቂ ንኽወርድ ንመራሕቲ ኢትዮጵያ ግልፂ ደብዳቤ ከም ዝቐረበሎም ተፈሊጡ።



እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ዕርቂ ንኽፍጠር ግልፂ ደብዳቤ ዘቕረበ ኣካል ናይ ምርድዳእን ሰላምን ዝኾነ ማሕበር ናብ ቤት ፅሕፈት ጠቕላይ ሚኒስተርን ናብ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ብሄር ንክበፅሕ ዝፀሓፎ ደብዳቤ፣ ኣብ ሃገርና ብሄራዊ ዕርቂ ዘምፅእ ናይ ሰላም ምይጥ ንኽካየድ ፃዉዒት ዝሓዘ ደብዳቤ ከም ዘቕረበ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ። 
ናይ ኢትዮጵያ ፕረዝዳንት ዶክተር ሙላቱ ተሸመ ነቲ ሃገር ለኸ መንግስታዊ ዘይኮነ ማሕበር ኣካያዲ ስራሕ ዝኾኑ ንኣቶ ፋንታዉን ብርሃኑ ተቐቢሎም ዘዘራረብዎም እኳ እንተኾኑ፣ እንተኾነ ግን ክሳብ ሕዚ ነቲ ጥርዓን ዝሓዘ ዴብዳቤ ዝተዉሃቦ ግምት ከም ዘየለን በቲ ገዛኢ ስርዓት ተቐባልነት ከም ዘይረኸበን ንምፍላጥ ተኻኢሉ። 

No comments:

Post a Comment