Sunday, February 28, 2016

ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴ.ም.ህ.ት) መበል 15 ዓመት ምስረታ ብዓሉ 19 ለካቲት ብድሙቕ ኣገባብ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣሃዱታት ከም ዘብዓለ ገሊፁ።



ኣብ 1993 ዓ/ም 19 ለካቲት ዝተመስረተ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴ.ም.ህ.ት) መበል 15 ዓመት ናይ ምስረታ ብዓሉ ብድሙቕ ስነ-ስርዓት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣሃዱታት ዘፀንበለ ኮይኑ፣ ኣብቲ ብዓል ተወከልቲ ኣጋር ዉድባት ተረኺቦም ምስ ዴምህት ዘለዎም ምትሕግጋዝ ኣጠናኺሮም ክቕፅልዎ ከም ዝገለፁን፣ ካብ ዉሽጥን ወፃእን ዝመፁ ብርክት ዝበሉ ሓፋሽ ዉድባትን ደገፍቲ ቃልሲ ዴምህትን ኣብ'ቲ  ብዓል ተረኺቦም ንዉድብ ዴምህት ዘለዎም ሓገዝን ኣበርክቶን ልዕሊ ማንም እዋን ኣጠናኺሮም ከም ዝቕፅልሉ ገሊፆም።
ብተወሳኺ ድማ ህብብቲ ክፍሊ ባህሊ ዴምህት ዝተፈላለዩ ንጉዕዞን ፅንዓትን ቃልሲ ዴምህት ዝገልፁ ስነ- ጥበባዊ ትሕዝቶታት (ደርፍታት ድራማታትን ናይ ቃልሲ ወነ ዘልዓዕሉ ግጥምታትን) ሒዛ ናብ ህዝባዊ ሰራዊት ዴምህት ብምቕራብ፣ ነቲ ብዓል ፍሉይ ድምቀት ከም ዝሃበቶ፣ ኣብ'ቲ ስነ-ስርዓት ኣከባብራ ናይቲ ብዓል ዝተረኸቡ ሪፖርተራትና ኣብ ዝልኣኹልና ፀብፃብ ኣረዲኦም።
ኩቡራት ተኸታተልትና ሙሉእ ትሕዝቶ ኣከባብራ ናይ'ቲ ብዓል ኣብ ዝቕፅል መደባትና ሒዝናልኩም ክንቀርብ ምዃና ክነዘኻኽረኩም ንፈቱ።       

No comments:

Post a Comment