Sunday, February 28, 2016

ኢትዮጵያ ብዝተጭበርበረ መንገዲ ልዑል ገንዘብ ካብ ዝጠፍአን ሃገራት ኣፍሪካ ቀንዲ ከም ዝኾነት ሓለፍቲ ኣይ ኤም ኤፍን ባንኪ ዓለምን ኣፍሊጦም።



ሃገራት ኣፍሪካ ብመንገዲ ኩባንያታት ወፃእን ኢንቨስተራትን ብመራሕቲ ናይ'ተን ሃገራትን ብምጭብርባርን ወፃእን ኣታውን ብምዝባዕን ገንዘብ ኮነ ተባሂሉ ብምጥፍፋእን፣ በቢዓመቱ ብቢልዮናት ዶላር ዝቑፀር ሃፍቲ ዝስእንኦ ጠጠው ንምባል ተዋቒሩ ኣብ ምንቅስቓስ ዝርከብ ብናይ ደቡብ ኣፍሪካ ፕረዚዳንት ነበር  ታቦ ምቤኪ ዝምራሕ ትካል፣ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዘካየዶ ፓናል ዝተረኸቡ መራሕቲ ትካላት ኣይ ኤም ኤፍን ባንኪ ዓለምን ኢትዮጵያ በዚ ምኽንያት ሃፍቲ ካብ ዝጠፍአን ሃገራት ኣፍሪካ ቀዳምነት እትጥቀስ ከም ዝኾነት ናይ'ተን ትካላት ሓለፍቲ ምዝራቦም እቲ ዝወፀ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ኣብ'ቲ ብናይ ደቡብ ኣፍሪካ ፕረዚዳንት ነበር ታቦ ምቤኪ ዝተመርሐ ዘተ ካብ ኣፍሪካ ብዝተፈላለየ ሜላታት ምጭብርባር ኣብ ምጥፋእ ዝርከብ መጠን ገንዘብ  በቢዓመቱ ካብ 60 ቢልዮን ዶላር ንላዕሊ ከም ዝግመት በቲ ኢፋዊ መፅናዕቲ ድሕሪ ምቕማጡ፣ ብምዃኑ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ሓምሳ ዓመታት ውሽጢ ካብ ኣፍሪካ ብዝተጭበርበር መንገዲ ዝወፀ ገንዘብ ካብ ሓደ ትሪሊዮን ዶላር ንላዕሊ ከም ዝግመት ኣቐሚጡ።
        እቲ ብዙሓት ክኢላታት ፋይናንስ ኣብ ዝሳተፍሉ መድረኽ ዓብዪ ፓነል ኢፋ ዝኾነ መፅናዕቲ፣ ኢትዮጵያ ካብ 2010 ዓ.ም.ፈ ኣትሒዛ በቢ ዓመቱ ካብ 10 ቢልዮን ዶላር ንላዕሊ ገንዘብ ብምጭብርባር ታክሲ፤ ብምጭብርባር ኣታውን ወፃእን ንግዲ፤ ናይ ወፃእን ኣታውን ንግዲ ቅብሊት መፈፀሚ ኮነ ኢሉ ብምዝባዕ ወፃኢ ብምንሃር ከምኡ'ውን ሽይጣት ብምንኣስ ዝኣምሰሉ ሜላታት ዝምንዛዕ ኮይኑ፣ ኣብ'ዙይ ኢድ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ብቀጥታን ብተዘዋዋርን ዘለዎ ብምዃኑ ብዘይ ምንም ምቅላዕ ተሸፋፊኑ እናተሰገረ ሃፍቲ ሃገር ብምብኻን ህዝብን ሃገርን ብዝኸፈአ መልክዑ ይጎድእ ምህላው የቐምጥ።
ብምዃኑ ድማ እቲ መፅናዕቲ ኣገባብ ብዘይብሉ መንገዲ ሃፍቲ ካብ ዝባኽን 10 ሃገራት ኣፍሪካ ብቐዳምነት ኢትዮጵያ ምስ ጠቐሰ፣ ከምኡ 'ውን ናይጄሪያ፤ ግብፂ፤ ደቡብ ኣፍሪካ፤ ሞሮኮ፤ ኣንጎላ፤ ኣልጀርያ፤ ኮት ዲቫር፤ ሱዳንን ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎን ኮይነን፣ ካብ'ዘን ድኻታት ሃገራት ተጭበርቢሩ ዝወፀ ገንዘብ ዝቕበላ 10 ሃፍታማት ሃገራት ድማ ኣሜርካ ቀዳመይቲ ኮይና ቻይና፤ ህንዲ፤ ስፔን፤ ፈረንሳ፤ ጃፓን፤ ጀርመን፤ ደቡብ ኮርያን ሜክሲኮን ከም ዝኾና እቲ መፅናዕቲ የቐምጥ።  

No comments:

Post a Comment