Wednesday, September 28, 2016

ብምኽንያት ንመስርሒ ኢንዳስትሪ ፓርክ ተባሂሎም ካብ ቦቶኦም ዝተፈናቐሉ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ዝኾኑ ወገናት ቅያር ቦታ ንኽወሃቡ ዝተሓሰበ ቦታ ዝኾነ መሰረተ ልምዓት ከም ዘይቡሉን ንመንበሪ ከም ዘይጥዕምን ገሊፆም።



እቲ ሓበሬታ ከም ዘርደኦ፣ህጅዬን ግርፕ ዝብሃል ዝዓበየ ናይ ቻይና ኩባንያ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ኢንዳስትሪ ፓርክ ንኽሰርሕ ቦታ ድሕሪ ምርካቡ ኣብቲ ቦታ ዝሰፈሩ ነበርቲ ብምፍንቓሎም ስዒቡ ቅያር ቦታ ንኽወሃቦም ዝተብሃለ ንምንባር ፉፁም ሙቹው ኣይኮነን ብምባል ከም ዘይተቐቦሉዎ ኣፍሊጦም ክብል እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ብምኽንያት ናይ ህጅዬን ኢንድስትሪ ፓርክ ናይ ዝተልዓሉ ነበርቲ ዝተቛቖመ ኮሚቴ ኣባል ዝኾኑ ኣይተ መንገሻ ብርሃኑ ከም ዝብሉዎ ድማ ክወሃብ ዝግቦኦ ቦታ ካብ ዝተልዓልናዮ ቦታ ካብ ሓደ ኪሎ ሜትር ዙርያ ዘይነውሕ ክኸውን ይግባእ ፣እንተኾነ ግን ክወሃበኩም ዝተብሃልናዮ ቦታ ግን ካብ 10 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ንላዕሊ ዘሎዎ ዙርያ ብምዃኑ ፣እዚ ካብ ማሕበራዊ ሂወትና የረሓሕቐና ፣እቲ ዝወሃበና ቦታ መሰረተልምዓት ዝተማለአሉ ክኸውን እዩ ዘሎዎ፣እቲ ሕዚ ተሓሲቡ ዘሎ ግን ፉፁም መሰረተ ልምዓት ዝበሃል የቡሉን ድሕሪ ምባል ፣ወሲኾም ድማ እቲ ምምሕዳር ናይቲ ክፍለ ከተማ ኣቐዲሙ 3 ቦታታት ኣርእዩ ድልየትና ክርዳእ ነይሩዎ ፣ይኹን እንበር እቲ ምምሕዳር ብሓደ ግዜ እቲ ቦታ ንክንርከብ ዕጫ ክወፅእ ገይሩ፣ እዚ ድማ ካብ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ወፃኢ እዩ ብምባል ከም ዝገለፁ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

1 comment:

  1. Great blog!!

    If you like, come back and visit mine:
    http://albumdeestampillas.blogspot.com

    I would really like to receive a visit from your country.

    Thanks,
    Pablo from Argentina

    ReplyDelete