Monday, October 10, 2016

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ባዕሉ መስርሕ ነቐፌታን ናይ 2009 ዓ/ም መደባት ንምፅዳቕን ኢሉ ሓሙሽተ መዓልቲ ዝወሰደ ዘካየዶ ኣኼባ ዝተፈላለዩ ወገናት ስግኣቶም ኣብ ምግላፅ ይርከቡ ኣሎው።



ህወሓት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም መጀመርታ ሰሙን ከባቢ ንሕሉፍ 15 ዓመታት ዝድህስስ ተሃድሶ ብዝብል ዘካየዶ ናይ ማእኸላይ ኮሚቴ ኣኼባ ዝኾነ ዓይነት ለውጢ ከየምፀአ ተዛዚሙ ኢሉ መግላፂ ክህብ ክኢሉ እዩ ዝበለ እቲ ሓበሬታ፣ ሕዚ ድማ ሰሙን ከይገበረ መስርሕ ነቐፌታን መደባት 2009 ዓ/ም ንምፅዳቕን ዝዓለመ ብዝብል ንሓሙሽተ መልቲ ዝወሰደ ናይ ማእኸላይ ኮሚቴ ኣኼባ ዘላቒ ፍታሕ ክፈጥር ዓቕሚ ይኹን ተኽእሎ ተሳኢንዎ ለውጢ ኣብ ዘይብሎም ተኸታተልቲ ኣኼባታት እናገበረ ንባዕሉ ለሚሱ ህዝብን ሃገር ናብ ገደል ሒዙና ይኣቱ ኣሎ ብምባል ብዝተፈላለዩ ኣካላት ይግለፅ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘርደኦ፣ ህወሓት ብህዝቢ ንዝቐርቡ ተዃሳሕቲ ሕቶታት ግቡእ ምላሽ ከይሃቦሎም ብምፅንሑን ኣብ ልዕሊ ፁጉም ህዝቢ ዘውርዶም በደላትን ጥልመትን ተደማሚሮም ካብ ህዝቢ ከም ዝተነፀለ ባዕሉ ኣንዳዕዲዑ እናፈለጠ እንከሎ፣ ፍታሕ ካብ ምትእልላሽ ገዲፉ ኣብ ግዝያዊ ጥበራታትን ጎስጓስን ተፀሚዱ ይርከብ ድሕሪ ምባል፣እቲ ሕዚ ንባዕሉ ዘካየዶ ገምጋም ናይ ዝፍጠሩ ዘሎው መሰረታዊ ሽግራት ምንጪ ባዕሉ እቲ ውድብ እናሃለወ ፣ንባዕሉ ከይተቐየረን ከይፀረየን ንህዝቢ ሎሚ እውን ካብ ክልል ጀሚሩ ክሳብ ጣብያ እዚ መስርሕ ነቐፌታን ገምጋምን ከም ዝካያድ ይእውጅ ኣሎ ክብሉ ኣፍሊጦም።
ኣብ መዎዳእታ ለውጢ ኣብ ዘይቡሉ ኣኼባ ህዝብና ነታ ዝርካባ ማሕበራዊ ሂወቱ ሰሪሑ ከይመርሓ ንመቆፃፀሪ ተባሂሉ ዝፍጠር ዘሎ መድረኻት ካብ ምዃን ሓሊፉ ንፅርየትን ለውጥን እንተዝኸውን ነይሩ እቲ ውድብ ባዕሉ እዩ ጋዕዝዩን በስቢሱን ዘሎ ቀዳምነት ባዕሉ ክእለን ክፀርን ነይሩዎ፣ ስለዚ ደመዎዞም እናበልዑ ድልየታቶም ከነማልእ ውፅዕ ህዝብና ንዓዓቶም ክጥብር ግዜ የቡሉን ብምባል መዘራረቢ ዛዕባታት ኮይኑ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

No comments:

Post a Comment