Monday, October 10, 2016

ናይ ፌ.ዴ.ሪ.ኢ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ብዝወሰኖ ናይ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ እታ ሃገር ኣትያቶ ካብ ዘላ ፖሎቲካዊ ቀውስን ናዕብን ዘየድሕን መኻን ኣዋጅ እዩ ክብሉ ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።



ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ፣ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ፌ.ዴ.ር.ኢ ብዝፀውዖ ህፁፅ ኣኼባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ህዝባዊ ዓመፅን ዕግርግርን ኢሉ እውን ዕንወት ትካላትን ሉዑል ሞትን ጉኣትን ናይ ዜጋታት ንምዕጋት ኣብ ሓፂር እዋን ድማ ፍታሕ ንምምፃእ ብዝብል ምኽንያት ካብ ዕለት 28 መስከረም 2009 ዓ/ም ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ  ናይ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ከም ዝወሰነ ብቐዳማይ ሚኒስትር እቲ ገዛኢ ስርዓት ዝሃቦ መግለፂ ተደጋጊሙ ክስማዕ እኳ እንተተገበረ እታ ሃገር ኣትያቶ ካብ ዘላ ህውከትን ህዝባዊ ዓመፅን ዘግድዶ ‘በር ዝፍጠር ለውጢ ከም ዘየሎ ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘርድኦ፣ህዝብታት ኢትዮጵያ ዝተቓለስሉ ዕላማ ተጭውዩ ኣብ ኢድ ወሑዳት ሰበ ስልጣን ኢህወደግ ካብ ዝኣቱ ልዕሊ 25 ዓመታት ተቖፂሩ ኣሎ ድሕሪ ምባል፣ እዞም ዝተሓለፉ ዓመታት ድማ ህዝቢ ተረባሒ ዘይኮነስ ካብቶም ዝሓለፉ ስርዓታት ብዝበኣሰ መልክዑ እናተረገፀ፣እናተኣሰረ እናተገረፈ ሰላም ረኺቡ ኣብ ዓዱ ብነፃ ከንቀሳቐስ መዓልታዊ ብሓልታት ፀፅታ ካብ ማእኸል ጎደናታት ብሹም ጨጉሪ ለወጥን ካልእን ብዝብል ምኽንያታት ክእሰርን ነፃነት ክስእን እናገበሩ መፂኦምን ኣሎውን ምስበለ ወሲኹ ድማ ህዝቢ ዘልዕሎም ተኾሳሕቲ ሕቶታት ፍታሕ እናሰኣነ ኣብ መድረኻት ብመራሕትን ካድረታትን እቲ ስርዓት ኣብ ባይታ ዘይትግበሩ መደረታት ጥራሕ ምስኮኖ፣ ተገዲዱ ነዚ ስርዓት እዚ ካብ ሱር መሰረቱ ሚሕዩ ንምድርባይ ናብ ዓመፅ ኣምሪሑ መስዋእቲ እናኸፈለ ኣብ ዘሎሉ እዋን ሕዚ ኢህወደግ ብዝፈጥሮም ናይ መደናገርቲ ፈጠራታት ነቲ ተጎሃሂሩ ዘሎ ህዝባዊ ዓመፅ ብሹም ህፁፅ ናይ ግዜ ኣዋጅ ካብ ምቅፅፃል ሓሊፉ ዝፍጠር ለውጢ ከም ዘየሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ።  

No comments:

Post a Comment