Thursday, October 6, 2016

ነበርቲ ክፍለ ከተማ ኲሓ ብሰንኪ ፅርየቱ ዘይሓለወ ረሳሕ ማይ ይጥቀሙ ብምህላዎም ምኽንያት ንዝተፈላለዩ ማይ ወለድ ሕማማት ተቓሊዖም ከም ዘሎው ተፈሊጡ።



ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ፣ ነበርቲ ከባቢ ክፍለ ከተማ ኲሓ ዝኾኑ ወገናት ኣብ ቀረበኦም ፅሩይ ማይ ቧንቧ ንኽኮዓቶሎም ቀፃሊ ንዝምልከቶም ኣካላት ጥርዓኖም የስምዑ እኳ እንተኾኑ ፣ነዢ ሽግር ግቡእ ቆላሕታ ሂቡ ዘላቒ መፍትሒ ዝህብ ምምሕዳራዊ ኣካል ብዘይ ምርካቦም ምኽንያት ተገዲዶም ማይ ሽብጢ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዝርከብ ፅርየቱ ዘይሓለወ ረሳሕ ጉድጓድ ማይ ይጥቀሙ ብምህላዎም ንዝተፈላለዩ ማይ ወለድ ሕማማት ይቃልዑ ከም ዘሎው ንዝተፈላለዩ ሚድያታት ካብ ዝሃቡዎ ሓሳብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
 ነበርቲ ክፍለ ከተማ ኲሓ ወሲኾም እንትገልፁ እዚ ፀገም እዚ ካብ ነልዕሎ ዓመታት ሓሊፉ እዩ ድሕሪ ምባል ፣ኣብ ከባቢና ማይ ባንባ ዝበሃል ስለ ዘየለ ከይፈተና ሰብን እንስሳን ብሓንሳብ እናተጨማለቕና ንጥቀም ኣለና እንትብሉ፣ ብወገን ኣማሓዳሪ ክፍለ ከተማ ኲሓ ብርሃነ ወለገብሪአልን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይ ከተማ መቐለ ግደና ኣበበን ድማ እቲ ፀገም ንፈልጦ ኢና ብግዝያውነት እውን ማይ ብቦጥ ነከፋፍሎም ኣለና እኳ እንተቦሉ፣እቶም ወገናት ግን እቲ ብቦጥ ዝከፋፈል ማይ እውን ክባፃሕ ብዘይ ምኽኣሉ ሕዚ እውን ካብቲ ፅርየቱ ዘይሓለወ ማይ ንመስተን ንዝተፈላለዩ መሳርሕታትን ይጥቀሙ ከም ዘሎው ኣፍሊጦም።
ኣብ መዎዳእታ ነበርቲ ክፍለ ከተማ ኲሓ እቲ ኣጋጢሙዎም ዘሎ ሽግር ፅሩይ ዝስተ ማይ ዓመታት ዘቑፀረ እኳ እንተኾነ ናይ ሎሚ ግን ምስቲ ግዜ ዘይህብ ኣፃዳፊ ተቑማጥ እናተጋደደ ይኸይድ ኣብ ዘለሉን ኣብቲ ቦታ ድማ ካብቲ ዝጥቀምሉ ዘሎው ረሳሕ ማይ ሰትዩ ሓደ ሰብ ብምሕማሙ  ምኽንያት ናብ ህዝቢ ከይላባዕ ከቢድ ስግኣት ከም ዝፈጠረ ድሕሪ ምግላፅ መንግስቲ ብህፁፅ ዘላቒ ዝኾነ ፍታሕ ንኽገብሮም ድማ ገሊፆም።

No comments:

Post a Comment