Monday, October 3, 2016

ኣብ ክልል ኦሮምያ ከተማ ቢሾፍቱ ንበዓል ኢሬቻ ንምኽባር ዝተኣከበ ህዝቢ ኣንፃር እቲ ገዛኢ ስርዓት ብዝተልዓለ ተቓውሞ ስዒቡ ብርክት ዝበለ ህይወት ኑፁሃት ውገናት ከም ዝሓለፈን ጉድኣት ከም ዝበፀሖምን ንምፍላጥ ተኻኢሉ።



ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፣ኣብ ክልል ኦሮምያ ዓመት መፀ በዓል ኢሬቻ ህዝቢ ብድሙቕ መንገዲ ከም ዘብዕሎ ዝፍለጥ እዩ ዝበለ እቲ ሓበሬታ፣ ናይዚ ዓመት መቐፀልታ ድማ ብዕለት 22 መስከረም 2009 ዓ/ም   ነቲ ዕለት ንምኽባር ኣብ ቢሸፍቱ ከባቢ ቃላይ ቦራ ዝተኣከበ ህዝቢ ካድረታት እቲ ስርዓት ብዝገበርዎ ናይ መኽፈቲ ዘረባን ናይ ክልል ኦሮምያ ባንዴራ ንኽትስቀል ብምግባር ስዒቡ፣ እዚ በዓል ንናይ ፖሎቲካ መሳርሒ ኣይተውዕሉዎ፣ባንዴራ ናይቲ ክልል ኣይትስቀልን፣ ኣብ ክንድኡ ናይቲ በዓል ዝገልፅ ኢና ንሰቅል ብዝብል ተቓውሞ ብምልዓሉ ምኽንያት ሓይልታት ፀፅታ ብመንብዒ ጋዝን ተኹስን ብምግባር ነቲ ተቓውሞ ንምዝሓል ኣብ ዝፈተንዎ ምንቅስቓስ ዝተወለዐ ናዕቢ ህይወት ቡዙሓት ኑፁሃት ወገናት ከም ዝሓለፉን ከም ዝቖሰሉን ተሓቢሩ።
ኣብ ቢሸፍቱ ደብረዘይት ንበዓል ኢሬቻ ንምኽባር ዝወፀ ህዝቢ ልዕሊ 2 ሚልዮን ዝግመት ከም ዝነበረ እንትገልፅ፣ በቲ ዝተልዓለ ግጭት በዝሒ ዝሞቱ ወገናት ካብቲ ጠቕላይ ሚኒስተር እቲ ስርዓት 52 ከም ዝኾኑ መግለፂ ዋላ እኳ እንተስምዐ፣ ብዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር መሰረት ብምግባር ከም ዝፀብፀብኦ ግን ልዕሊ 200 ወገናት ከም ዝሞቱን ብርክት ዝበሉ ድማ ብከቢድ ቆሲሎም ኣብ ዝተፈላለያ ሆስፒታላት ይርከቡ ድሕሪ ምባል ቁፅሪ መወቲ  ካብቲ ዝተገለፀ ከም ዝውስኽ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።
ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ክልል ኦሮምያ ንበዓል ኢሬቻ ንምኽባር ኣብ ከተማ ኣምቦ እውን ኣብ ተመሳሰሊ ዕለት ህዝቢ ኣንፃር እቲ ስርዓት ተቓውምኡ ብምግላፁ ስዒቡ ሓይልታት ፀፅታ ነታ ከተማ ብተኹሲ ኣናዊፆማ ከም ዝወዓሉ ድሕሪ ምግላፅ፣ ተወሳኺ ዕጡቕ ሓይሊ ናብታ ከተማ ንምእታው ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ድማ ህዝቢ ነቲ ተደራቢ ሓይሊ ንምዕጋት ኣብ ከባቢ ሆሎታ፣ ኣዲስ ኣለም፣ጊንጪ ነቲ ፅርግያ ብእምኒ ብምዕፃው ተቓውምኡ የስምዕ ከም ዝወዓለን ኣብዚ እውን ዝመተን ዝተጎደአን ብርክት ዝበለ ወገን ከም ዝህሉ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።


No comments:

Post a Comment