Thursday, October 6, 2016

ኣብ ክልል ኦሮምያ ከተማ ቢሸፍቱ ባህላዊ በዓል ኢሬቻ ንምኽባር ብሚልዮናት ዝግመት ዝተኣከበ ህዝቢ ብዝተልዓለ ግጭት ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ብኣማኢት ዝቑፀር ሂወት ሰብ ብምሕላፉ ስዒቡ ናብ ብርክት ዝበሉ ከባብታት ክልል ኦሮሞ እቲ ናዕቢ ተቐፃፂሉ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።



ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘረደኦ፣ኣብ ከተማ ቢሸፍቱ ንባህላዊ በዓል ኢሬቻ ንምኽባር ብሚልዮናት ዝግመት ህዝቢ ኣብ ዝተኣከበሉ ዕለት ብዝተልዓለ ግጭት ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሂወት ንፁሃት ሰባት ብሓይልታት ፀፅታ ብዝተተኮሰ ጠያይትን ብፅቕጥቅጥን ናብ ገደል ብምፅዳፍን ዝሰዓበ ህልቂት ዝተልዓለ ቁጠዐ ህዝቢ ናብ ብርክት ዝበሉ ከባብታት ክልል ኦሮምያ ተስፋሕፊሑ እቲ ናዕቢ ይቕፅል ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘርደኦ፣ ብዕለት 24 መስከረም 2009 ዓ/ም ኣብ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ደምቢ ደሎ፣ኣብ ሻሸመኔ ተቓውሞ ከም ዝነበረ እንትገልፅ ዋላ እኳ ቁፅሮም ብልክዕ ንግዚኡ እንተዘይተፈለጠ ብርክት ዝበሉ ንፁሃት ወገናት ሞይቶም ከም ዘሎው ድማ ወሲኹ ኣፍሊጡ። 

No comments:

Post a Comment