Sunday, October 23, 2016

ኣብ ሓደ ርእሲ፣ ክልተ መልሓስ



ርግፅ እዩ ንሓንቲ ሃገርን ህዝብን ሰንደቕ ዓላማ ቀንዲ መለለይን ክብርን ሉኣላውነታን ተረጋግፀሉ ረዚን ትርጉም ዘለዎ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ቢሄርን ቢሄረ ሰባትን፣ ቡዙሑነቶም ኣብ ዝተረጋግዐ ሰላም ኮይኖም ሓድነቶም ኣብ ምክእኣልን ምሕዝነትን ዝተመስረተ ዴሞክራስያዊ መሰሎም ተጠቒሞም፣ ፍቕሪ ሃገሮም ብተምሳል መዓልቲ ባንዴራ ብእኩብ ክገልፁ ባህሪያዊ እዩ።
እንተኾነ ግን ብሰንኪ በቢ ግዚኡ ናብ ስልጣን ዝወፁ ፀረ ህዝቢ  መራሕቲ ሃገርና፣ ነታ ብደምን ኣዕፅምትን ጀጋኑ ኣቦታትና ቆፃል፣ ብጫን ቀይሕን ሕብሪ ገይሮም ዝሃነፅዋ ትእምርተ ፅንዓትን ጀግንነትን ዝኾነት ባንዴራና፣ ከከም ዝሕሾም ኣብ ልዕሊኣ ምልክታት እናለጠፉ ንመጋበርያ ፖሎቲካዊ ሸቐጥ ክትውዕል ገይሮማ እዮም።
ናይቶም ዝሓለፉ ጨቆንቲ ስርዓታት ገዲፍና፣ ነቲ ናይ ሕሉፋት ፀረ ዴሞክራሲ ባህሪ ዝተላበሱ ምልካውያን ኣቦታቱ ኣካይዳ ተቐቢሉ ብዘይ ውክልናን ድልየትን ህዝቢ ብሓይሊ ብረት ዓፊኑ ኣብ ኣፍ ደገ ሞት ኮይኑ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ኢህወደግ ክንርኢ ከለና፣ ክብሪ ባንዴራና ባይታ ዘቢጡ፤ ኣብ ሞንጎ ብሄርን ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ፅልእን ቅርሕንትን ብምፍጣር ሓድነቶም እናዘረገ ብሽም መዓልቲ ባንዴራ ዓመት መፀ ባንዴራና መግለፂ ሰላም፤ ሓድነትን ፍቕርን ህዝብታት ኢትዮጵያ እያ ብዝብል ከሽካዕልል ዓመታት ኣቑፂሩ 'ሎ።
እዞም ናይ ስልጣን ሓይሊ ተቖፃፂሮም ህዝብን ሃገርን ናብ ጎደና ድሕረትን ጥፍኣትን ዝመርሕዎ ዘለዉ ኢህወደጋውያን፣ ሎሚ ባንዴራና እናበሉ መዝሙር ክደጋግሙ ይስምዑ ኣለዉ፣ እንተኾነ ግን ኣብ ልዕሊ እዛ ብደምን የዕፅምትን ኣያታትና ተኸቢራን ተሓፊራን ዝፀንሐት ምልክት ነፃነትን ጀግንነትን ዝኾነት ባንዴራ ሃገርና ቅንጣብ ክብሪ የብሎምን።
ነዚ ዘረጋግፀልና ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይታ ሃገር ዝነበረ መለስ ዜናዊ ኣብ ሓደ እዋን ባንዴራ ማለት ጨርቂ እያ ክብል ዝተዛረቦ ካብ ትምክሕቲ ዝመንጨወ ሓሳብ እኹል መረዳእታ እዩ። ኣብ ሓደ ርእሲ ክልተ መልሓስ ዘበለና እምባኣር እዚ እዩ። ትማሊ ጨርቂ ንዝበልዋ ባንዴራና ሎሚ ግልብጥ ኢሎም ንብዓት ሓርገፅ እንተነብዑላ ዝገርም ኣይኮነን።
እዛ ባንዴራ እዚኣ ብደም ዝተሃንፀት ናይ ህዝብና መግለፂት ክብርን መንነትን፣ ናይ ሃገርና ኣርማን ምልክትን ስለ ዝኾነት ከምቲ መራሕቲ ኢህወዴግ ዝብልዎ፣ ኣብ ስልጣን እንተሃልዮም ትህሉ እንተዘይሃልዮም ድማ ህላውኣ ዘብቅዕ ዘይኮነትስ ብደምን ኣዕፅምትን ደቃ ንዘመናት እናተኸበረት ዝመፀትን፤ ቐፃሊ'ውን ብህዝብታት ኢትዮጵያ ንመዋእላ ግቡእ ክብሪ ተሓልዩላ እትነብር ባንዴራ እያ።
ሎሚ ድማ መራሕቲ ኢህወደግ ብዝፈጠርዎ ፀረ-ዴሞክራሲ ኣካይዳን ጉድለት ሰናይ ምምሕዳርን ግዕዚናን ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ ሓያል ናዕብን ደም ምፍሳስን ዕንወት ትካላትን ንብረትን ኣብ ዘላትሉ እዋን፣ ህዝቢ ካብን ናብን ከይንቀሳቐስ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ቁም ማእሰርቲ ኣዊጆም፣ እቲ ዓመት መፀ ብሹም መዓልቲ ባንዴራ ህዝቢ እናኣከቡ ትርጉም ብዘይብሎም መደረን መግለፅታትን ከካይድዎ ዝፀንሑ ሸቐጥ ሎሚ 'ውን ንታሽዓይ ግዜ ኣካይደሞ ኣለዉ።
እዚ ናይ ሎሚ ምኽባር ማዓልቲ ባንዴራ ፍሉይ ዝገብሮ ድማ ኢህወደጋውያን ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከውርድዎ ዝፀንሑ ሰይጣናዊ ተግባራትን ግፍዕን  ህዝብና ኣንፃሮም ተላዒሉ ዘካይዶ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ቃልሲ ንምግታእ ክብሉ ዝኸፈአ ወታሃደራዊ ምሕደራ ኣዊጆም ኣብ ቀይዲ የእትየሞ ስለ ዘለዉ፣  መዓልቲ ባንዴራ ብሰራዊት ምክልኻል ጥራሕ ተኸቢሩ ክሓልፍ ተገዲዶም ኣለው።
ዋላ እኳ ነታ ብደም ደቃ ንዘመናት እናተውለብለበት ዝመፀት ባንዴራ ሕዚ ንመሳርሒ ውልቀ መራሕቲ ኢህወደግ ተባሂሉ ነቲ ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ዘለዎ ዜጋ ተኣኪቡ ከየኽብራ እንተገበሩ፣ ህዝብና ግን ብውልቀ መለኽቲ ክብሩን መንነቱን ዝገልፀሉ፤ ሓቃዊ መዓልቲ ባንዴራ ዝኽበረሉ እዋን ኢህወደግ ካብ ስልጣኑ ተደርቡዩ ህዝባዊ ስርዓት እንትህሉ ጥራሕ ምኳኑ ኣሚኑ ይረባረብ 'ሎ።
ስለ ዝኾነ 'ውን መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያ ከምቲ ሕሉፍ ንስለ እዛ ባንዴራ ክብሉ ንናይ ውሽጥን ወፃእን ዓመፅቲ ባዕዳውያን እናመከቱን መስዋእቲ እናኸፈሉን ተኸቢራ ክትፀንሕ ዝገበሩ፤ ሎሚ 'ውን ከም ትማሊ ኣንፃር ህዝብን ሃገርን ንዝኾኑ መራሕቲ ኢህወደግ ካብ ሱር መሰረቶም ነቒሉ ዝድርብየሉ እዋን ርሑቕ ኣይክኸውንን።
ሽዑ ነታ መግለፂት ሉኣላውነቱ፤ ሓድነቱን መንነቱን ዝኾነት ባንዴርኡ ኣብ ዝተረጋግአ ሰላም ኮይኑ ምስ ኣሕዋቱ ብሄርን ብሄረ ሰባትን ህዝብታት ኢትዮጵያ ብሰላም፤ ፍቕርን ምሕዝነትን ብሓባር ዝገልፀሉ እዋን ንምቅልጣፍ ዘካይዶ ዘሎ ውዕውዕ ቃልሲ ብፀረ ህዝቢ ተግባራት ናይቲ ስርዓት ከይተሰኮነ ኣበርቲዑ፣ ክቕፅለሉ ይግባእ።

No comments:

Post a Comment