Thursday, November 17, 2016

ጭቆና ዝወለዶ ህዝባዊ ቃልሲ ፣ብዓፈና ኣይዕገትን



ህዝቢ ኢትዮጵያ ንዘመናት ብተበራረይቲ ጨቆንቲ ስርዓታት ነፃነቱ ክስእን፣ ፍትሒ ከም ጅቡኡ ክረክብ፣ ሰላሙ ክዝረግ ብሓፈሻ ኣብ ኣሩዑት መግዛእቲ ወዲቑ ሓሳረ መከራ እናተፈራረቖ ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰላቱ ተነጢቑ ኣብ መንገዲ ድኽነትን ድሕረትን ተዋሒጡ፣ ብማሕበራውን ፖለቲካውን ቅልውላዋት ክሕመስ ፀኒሑ እዩ።

ካብዞም ዝሓለፉ ገዛእቲ ስርዓታት ንኽናገፍ ክብል ብተኸታታሊ ብዘካየዶም ቃልስን ህዝባዊ ዓመፃትን ድማ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ስልጣኖም ምሕዩ ክድርብዮም ክኢሉ እዩ። እንተኾነ ግን መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያ ከከም እጃሞም ብዝኸፈልዎ መዳርግቲ ኣልቦ መስዋእትን ጅግንነትን ተበሊፁ፣ ስልጣን ህዝቢ ኣብ ኢድ ውሑዳት ሽሞኛታት ክበሓትን ኣብ ባይታ ዘይትግበሩ መብፀዓን ናይ ተስፋ ማናን ሒዙ ዝገደደ ኣምባገነናዊ ምሕደራ ኢህወደግ ተተኪኡ እዩ።
ግደ ሓቂ እውን እንተኾነ እዚ ጉጅለ እዚ ካብቶም ዝሓለፉ ውልቀ-መለኽቲ ስርዓታት ዝበኣሰ ጨቛኒ ስርዓት ምዃኑ፣ ኣብ ልዕሊ ወገኑ ን25 ዓመታት ሙሉእ ብሕቡኡን ብቕሉዑን እናውረዶም ዝመፀን ዘሎን ናይ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ጨፍጫፋት፤ ማእሰርትን መጭወይትን እንተዝፍተሽ እቲ ሓቂ ሽዑ ምበረሀ ነይሩ።

በቲ በለ በቲ ህዝብና ካብ ኣሩዑት መግዛእትን መግረፍትን ዘይተላቐቐ ህዝቢ ከም ምዃኑ መጠን፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ፀረ ህዝቢ ጉጅለ ኢህወደግ ካብ ፋልማዩ ኣትሒዙ ብዝፈጥሮም መሰረታዊ ጌጋታትን ዓፈናን ብሰለማዊ መንገዲ ክሓትትን መፍትሕታት ከተኣላልሽ ብዝገበሮ ፃዕርን ምንቅስቓስን፣ ብዓኒ ፀላእን ኣዕናውን፣ ፀረ ሰላምን ፀረ-ሕገ-መንግስትን ብዝብል መልሲ ክወሃቦን ካብዚ ሓሊፉ ድማ ብስዉር ተጨውዩ ክጠፍእን ኣብ እሱር ንዓመታት ክበልን ተፈሪዱዎ እዩ።
ህዝቢ ኢትዮጵያ ግን ንዓመፅትን ረገፅትን ከመይ ገይሩ ከም ዝኣልዮም ኣፀቢቑ ስለ ዝፈልጥ፣ ኣብ ልዕሊኡ ብዝወርድ ግፍዕን ምዝመዛን ከየሰኮኖ ንርብዒ ዘበን ሙሉእ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ተወዲቡ ሰለማዊ ቃልሲ ይኹን፣ ዕጥቃዊ ቃልሲ እናካየደ ነቲ ርብዒ ዘመን ዝኣክል ስልጣን ንውልቁ ብሒቱ ደም ህዝቢ እናማፀየ ክነብር ሰንደልደል ዝብል ዘሎ ጨቛኒ ስርዓት ኢህወደግ ናይ መወዳእታ ፍርዱ ንክረክብ ኣብ ጫፍ ገደል  ኣብፂሑዎ ኣሎ።
እዚ ብምዃኑ ድማ ሎሚ ኣብ ኩሉ ከባብታት ኢትዮጵያ ወፅዓን በደልን ዝወለዶ ህዝባዊ ዓመፅ ተጎሃሂሩ ብምልዓሉ፣ ካብ ዘላቕነት ዘለዎ ሰላምን ፍታሕን ምንዳይ ገዲፉ ኣብ ተግባራት ዓፈናን፣ ዝተፈላለዩ ናይ መደናገርቲ ስራሕትን ክፍብርኽ ላሕ ክብል ይረአ ኣሎ።

ብፍላይ ድማ ነቲ ናይ ውሽጣዊ ፀገማቱ ብናይ ደገ ሓይልታት ዝተፈጥረ ህውከትን ዕግርግርን ከም ዝኾነ ኣምሲሉ ሓደሽቲ ድራማታት እናደረሰ እከለ ኣሸባሪ እከለ ወራሪ ብዝብል ስማት ከጠምቕን ብኻልእ ገፅ ድማ ዓይኑ ዘውፀአ ምድንጋር ኢህወደግ ብዕሙቆት ተሓዲሱ ተባሂሉ ካብ ላዕሊ ክሳብ ጣብያ ዘሎ ምምሕዳራዊ መዋቕር በቢ ደረጅኡ ፍታሕ ኣብ ዘይብሉ ገምጋማት ክካየድ ይገብር ኣሎ።

እንተኾነ ግን ህዝብና  ናይ ኢህወደግ ምድንጋርን ዓፈናን ብዝግባእ ስለ ዝርዳእ ነቲ ብሒም ንኸይብል ብስም ህፁፅ ናይ ግዜ ኣዋጅ ዝተዓገተ ኩሉ ዓይነት መሰላቱ ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊኡ ብሓይልታት ፀፅታ መዓልታዊ ዝበፅሖ ዘሎ ማእሰርትን ቅትለትን ከይዓገቶ ከካይዶ ዝፀንሐ ቃልሱን ዓመፅን እናሓየለ ክቕፅል እንበር ክተዓናቐፍ ኣይከኣለን።

እኳ ድኣ ነቶም ብጉጅለ ኢህወደግ ዝካየዱ ዘለው ዝተለመዱ ናይ ምትላል  ተግባራት ኣየድልየናን፣ እዚ መፍትሕን ሰላምን ኣይኮነን፣ ዴሞክራሲ ክዓስል ዝሓተተ ህዝቢ ብዓፈና ዴሞክራስያዊ መሰሉ ተጣሒሱ እዩ፣ ህዝቢ እናኣሰርካ፣ እናጨፍለካ፣ ሰላም እናዘረግካ ኣይኮነን መፍትሒኡ፣ መሰረቱ እውን ህዝባዊ ስልጣን ብውሑዳት ዝልካዕ ወይ ዝዕደል ዘይኮነስ ሰፊሕ ህዝባዊ ተሳትፎን ምንቕቓሕን ዘድልዮ ጉዳይ ብምዃኑ ህዝቢ ቆሪንካ ዴሞክራሲ ዝበሃል ነገር የለን ኣብ ምባል ይርከብ።
ስለዚ ዴሞክራሲያዊ መሰላቱ ክረክብ ዝሓተተ ህዝቢ ማእሰርትን መግረፍትን ካብ ኮነ ዕጭኡ ብቓልሱ መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ዘካይዶ ዘሎ ህዝባዊ ዓመፅ ብዓፈናን ምድንጋርን ክይተዓግተ ባርዕ እናወሰኸ ይጎሃሃር ስለ ዘሎ፣ ህዝባዊ ሕቶ ዘንቀሎ ዓመፅ ብሓይሊ በትሪ ኣይዕገትን እዩ።

No comments:

Post a Comment