Wednesday, February 8, 2017

ብፅቡቕ ልሳን ዝፀባበቕ ዘይፅቡቕ ተግባር ኢህወደግ!!



ሓደ መንግስታዊ ስልጣን ዝተረከበ ፓርቲ ወይ እውን ግንባር፣ ከም ስነ ምግባር ንዝመርሖ ህዝቢ ኣገልጋሊኡ ኮይኑ ክርአን ብመሰረት ዝኣተዎ ቃልን ሓላፍነትን ድማ፣ ህዝቢ ንዝደልዮ ንምትግባር ትፅቢት ዝግበረሉ ኣካል እዩ።

እዚ ግና ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ካብ ናይ ትርጉም ኣፍልጦ ዝዘለለ ተቛደስቲ ናይዚ ሰናይ ተግባር ንኽንኮን ዘይተዓደልናሉ ትዕድልቲ ኮይኑ ፀኒሑን ኣሎን። ሕሉፍ ከም ዘለዎ ኮይኑ፣ ህዝብና ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዘይ ናይ ስርዓት ለውጢ ን25 ዓመት እንትጓዓዝ ፍረ ዝረአየሉ ግብራዊ ምንቅስቓስ ናይቲ ገዛኢ ስርዓት ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ ሃልዩ ነዚ እናደገፈን እናተሓጎሰን ዘይኮነስ ዓመታት ብዝወሰኹ ቑፅሪ ቃንዝኡ ‘ውን እናበረኸ እዩ መፂኡ።

ጭቡጥ መርኣያ ህዝብና ከምዙይ ምዃኑ ድማ ኣብዞም ዝሓለፎም ዓመታት ውሽጢ ዘሎ ነባራዊ ህይወት ህዝብናን፣ ኣብ ልዕሊኡ ዓምቢቡ ዝረአ  ሕሰምን መከራን ብዕምቆት ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ። ኣብዙይ እቲ ዝገርም ግና ነዚ ብዓይነቱ ዝሰፍሐን ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ተወዳዳርን ዘይብሉ ጭቆናን ምስ’ዚ ተታሓሒዙ ዝማዕበለ ኣብ መንጎ ህዝብና ተፈጢሩ ንዘሎ ናይ ሓድነት ምሕርፋፍ እዚ ስርዓት ብዓይኒ ፅቡቕ ግብሪ ጠሚቱ ማይ ዘምዕጉ ጥዑማት ልሳናት ዓጂቡ ግልባጥ ምስሊ ናይቲ ሓቀኛ ምስልና ጌሩ ከርእየና ምፍታኑ እዩ።
እዚ ምትላል እዚ ድማ ናይ ይቕፅል ምረት ሒዙ ማዕረ ማዕረ ግዜ  ዕምሪ ስልጣን ናይ እዚ ስርዓት ኮይኑ እናቀፀለ ይርከብ። እዚ ግና ናይ “ኣነ እንተሞይተላ ዳንዴር ኣይትቡቀላ” እንተዘይኮይኑ ከም ዘለዎ ክቕፅል እዩ ማለት ዘበት እዩ። ክቕፅል ከም ዘይኽእል’ውን ህሉው ምንቅስቓስ ህዝብና እንታይ ይኾን ከም ዘሎ ዝምልሶ ሕቶ እዩ። ኣይኮነን ግን ዘየለ ምፅብባቕ ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ ሕሉፍ ከም ዘለዎ ኮይኑ፣ ሐዚ’ውን ነዚ ቀልቢ ዓይኒ ዓለም ስሒቡ ዘሎ ሓደጋ ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ክንዲ ዕቱብ ጠመተ ሂቡ ህዝብና ንዝሓቶም ሕቶታት ግቡእ ምላሽ ዝህብ፣ ብኽልተ ነኒ ባዕሎም ዝጋጨው ፈፂሞም ምኽንያታውያን ብዘይኮኑ ምኽኒት ክድርድር፣ ማለት በቲ ሓደ ገፅ ምትእትታው ናይ ግዳም ሓይልታት ብኻሊእ ገፅ ድማ ኣየናይ ፅቡቕ ክፋል ኣካሉ ዘይፍለጥ ካልኣይ ኣካል ጌሩ ንዝጠቕሶ ኣካሉ ብዓል ዋና ናይ'ዚ ሳዕቤን ምዃኖም ክምድረሉ ንሰምዕ ኣለና።

እዚ ግና ብዓይኒ ቅንዕና ተጠሚቱ እቲ ፀገም ኣብዞም ኣካላት ምዃኑ ተለልዩ ዘይኮነስ፣ ነቲ ብዓይነቱ ዝኸፍአ ፅዕንቶ ፈንቂሉ ልዕሊ ዓቕሚ ናይቶም ሓላፍነቶም ዝራሕረሑ ኣገልገልቲ ዕጡቓት ናይቲ ስርዓት ብምዃን ስርዓት ንምቕያር ንዝጋፈጥ ዘሎ ብዓል ሕልና ህዝቢ ተመሊሱ ናይ ዝድቆሰሉ መንገዲ መሳኸዒ ዝተመርፀ ምርጫ ምዃኑ እዩ። እቲ ዘሕዝን ግና ጓና ተግባር ዝኾነ ምፅብባቕ እዚ ስርዓት፣ ሐዚ'ውን ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ተሃድሶ ብዝብል ሓዱሽ ርእሲ ድባብ ለውጢ ተጌሩ የንበድብዶ ምህላው እዩ።

እቲ ዘገርም ግና ህዝብና ኣብ ዘይመረፆ ኣርእስቲ ንዝደልዮ መልሲ ክረክብ ትፅቢቱ እኳ እንተዘይኮነ፣ በዚ ርእሲ ኣብ ዝተኸፈተ በቢደርጅኡ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ግና ህዝብና ንዘልዕሎም ሽግራት መዕለቢ ረኺቦም በዓል ዋና እዚ  ፀገም ሕጋዊ ተሓታትነት ኣብ ርእሲ ክረክብ ዘይምኻኣሉ፣ በቶም ናይዚ ስርዓት ኣካላት ንዋይታን ስምዕታኡን ብናይ ዝሰርሕ እዩ ዝደክም ዝብል ዝዓይነቱ ናይ ባህ ኣይበሎ ግብረ መልሲ ተጓዕፂፁ ዝሓልፈሉ እዩ ዘሎ። እንተኾነ ግና እዙይ ክኾን'ዶ ነይርዎ ካሊእ ጉዳይ ኮይኑ “ኣመል እስካብ መግነዝ” ከም ዝባሃል ግና ስርዓት ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ ክሳብ ዘሎ ፅቡቕ ልሳን ክንሰምዕ እንተዘይኮይኑ ፅቡቕ ግብሪ ክንርኢ ዘበት እዩ።

No comments:

Post a Comment