Sunday, June 4, 2017

ህዝቢ እናንባዕኻ ዝረጋገፅ ልምዓት የለን!!



  እቲ ኣብ ስልጣን ብኣፅዋርን ብዘዋፈሮም ሓይልታት ፀፅትኡን ከለላ ገይሩ ናብቲ ዘይተርፍ ውድቀቱን ዕንወትን ሰለይ እናበለ ዝቕፅል ዘሎ ጉጅለ ኢህወደግ፣ ኣብ ኣቑፂርዎም ዘሎ 26 ዓመታት ውሽጢ ኣብ ልዕሊ እቲ ይውክሎን ይመርሖን ኣሎኹ ዝብሎ ህዝቢ፣ እዚ ኢልካ ንምግማቱ ዘፀግም በደላትን ግፍዕን እናውረደ፣ እናንበዐ ካብ ድኽነትን ከርተትን ዘየናግፍ ንባዕሉ ልምዓት ኢሉ ብምስያም ይጎዓዝ ኣሎ።
  እዚ በብእዋኑ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኢትዮጵያ ዘብፀሖም በደላት ንኩሎም ዘርዚርካ ዝውድኡ እኳ እንተዘይኮኑ፣ ካብኣቶም ግን ሓደ ከም ኣብነት ክነልዕል መሪፅና። ንሱ ድማ እቲ ብሹም ንመሰረተ ልምዓትን ምስፋሕ ከተማን ህንፀቱ ንምዝማን እናተብሃለ ኣብ ልዕሊ መሬት ዝረአ ዘሎ ግዕዝይናን ኣዕናዊ ኣካይዳ ኢህወዴግ ዝምልከት እዩ።
  እዚ መሬት ገባራት ብማሕረስን ካልእን ናብርኦም እናመርሑ ባህላዊ ክብርታትን ልምድታትን ንነዊሕ ዓመታት እናተወራረሱ ኣብ ልዕሊ ዝፀንሑ ወገናት ዝመጣጠን ካሕሳ ከይረኸቡ ምሑዩ ብምሽንዳው ንዝተፈላለዩ ሽግራት ክቃልዑን ንድኽነትን ስነ ልቦናዊ መጥቃዕትን ማህሰይትን እናበፅሖም መፂኡን ኣሎን።
  ነቲ ኣብ ከተማታት ዝነብር ህዝቢ ድማ ንትካላትን ንሰብ ውልቀ ሃፍቲ ተባሂሉ ናይ ድኻታት ገዛውቲ ኣፍሪሱ ንፀሓይን ቁርን ደርብዩ ዓፍጢጡ ብምሓዝ  ክረኽብዎ ዝግባእ ረብሓታት እናስኣኑ ግዜታት ዘቑፅሩ ወገናት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም።
  እቲ ንልምዓትን ትካላትን እናተብሃለ ኣብ በቢከባቢኡ ዝርከብ ልሙዕ መሬት እናተመረፀ ህንፀቱ ክጅመር እዩ ተባሂሉ እምነ ሰረት ምስ ዓረፎ ተኾሊፉ ዝተረፈን ህንፀቱ ተጀሚሩ ብግዕዝይናን ምጭብርባርን ግልጋሎት ከይሃበ ኣብ ኩሉ ከባብታት ዓመታት ዘቑፅር ዘሎ በዝሑ ንምግማቱ ዘፀግም ኣይኮነን።
  ነዚ እፋፌት እናንኳሕኮሐ ንሓደጋን ድኽነትን ዘቃልዕ ዘሎ ተግባራት ኢህወደግ መግትኢ ክግበረሉ ህዝቢ ዋላ'ኳ በቢ ግዚኡ ቅሪታ ይኹን ጥርዓን ዘቕርብ እንተኾነ ስምዕታን ስቓይን ህዝቢ ሰሚዑ መፍትሒ ዝህብ ኣካል ክረክብ ግን ኣይክኣለን።
መሬት ድኻታት ብሓይሊ መንጢልካ ዝለምዕ ልምዓት እምበኣር ዕንወት እምበር ዕብየት ኣየምፅእን። ህዝቢ የመሓድር ኣለኹ ዝብል ኣካል ኣቐዲሙ ምስቲ በዓል ዋና ዝኾነ ህዝቢ ናይ ሓባር መረዳኣታን ግልፅነትን ዝዓሰሎ መስርሕ ብምስላጥ፣ ረብሓታቱን ፀገማቱን ብምርዳእ ዝተፈላለዩ መሰረት ልምዓታት ከሳልጥ ይኽእል እዩ።
  ህዝቢ ከየእመንካ ብሓለ መልጢ ዝካየድ ንጥፈት ግን ዕንወት ከም ዘኸትል ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ኣዋርሕ ንምህናፆም ዓመታት ዝወድኡ ትካላት ኣብ ደቓይቕ ክዓንዉ ተራእዮም እዮም። እዚ ፍፃመ እዚ ድማ ሕልና ንዘለዎ ሰብ ዓብዪ ትምህርቲ ገዲፉ ሓሊፉ እዩ። ስለዚ ኣዕናዊ ተግባራት ዝፍፅሙ ዘለዉ ኢህወደጋውያን ካብዚ ክምሃሩ ይግበኦም ነይሩ። እንተኾነ ግን ካብ ህዝቢ ተፂሉ ኣንፃር ህዝቢ ዝጎዓዝን ዝዕድርን ዘሎ ጉጅለ ስለ ዝኾነ ረብሓ ህዝቢ ጠንጢኑ በይናዊ ስጉምቲ ኣብ ምስላጥ እዩ ዝረአ ዘሎ።
  ኣብነት ናይቶም በቢግዚኡ ኣብ ከተማታት ኣባይቶም ብዶዞራት እናፈረሶም ዓይኖም ብንዓት እናተሓፀቡ ንኣደዳ ፀሓይን ቁርን ገልታዕታዕን ዝተዳረጉ ዜጋታት ክንደይ ዝኣኽሉ እዮም? እቶም ትሕመቕ ትፀብቕ ብሕርሻ ናብራኦም ክመርሑላ ዝፀንሑ መሬቶም ብዘይ እኹል ካሕሳን መፅለልን እናተመንጠሉ ንግዳይ ዝተፈላለዩ ማሕበራውን ኢኮኖምያውን ሽጋራት እናተቓልዑ ዝመፁን ዘለውን ወገናት’ከ ክንደይ ዝኣኽሉ እዮም እንተተባሂሉ ገዛ ይቑፀሮ ክንብል እሞ፣
  ሕዚ ‘ውን ግዳይ ናይዚ ሳዕቤን ዝኾኑ ናይ ያዩ ብረታ ብረት ኢንጂነሪንግ ኮርፖሬሽን ፋብሪካ ንመስርሒ ተባሂሉ ካብ መሬቶም ዝተፈናቐሉ ወገናት ናይ ካሕሳ ክፍሊት ኣይረኸብናን፣ ግቡእ ክፍሊት ንዝግበኦ ሰብ ኣብ ክንዲ ዝረክብ ብሰንኪ ምንጭብርባርን ግዕዙያት ኣመራርሓን ንዝተፈላለዩ ሽግራት ተቓሊዖም ከም ዘለው ኣብ ምግላፅ ይርከቡ። ስለዚ ንዜጋታት እናንባዕኻ ዝካየድ ልምዓት ጠጠው ክብል ይግባእ። ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ካብ መሬቱ ንዝለዓል ዜጋ ድማ ቅድመ መረዳእታን ስምምዕነትን ብምግባር ዝግበኦ ካሕሳን መትከልን ክረክብ ይግቦኦ።

1 comment: