Friday, February 16, 2018

መንግስቲ ኬንያ ካብ ሕጊ ወፃኢ ናብ ግዝኣተይ ኣትዮም ዝበሎም 29 ኢትዮጵያውያን ኣሲሩ።



  ፓስፖርትን ኣድላዪ ናይ ጉዕዞ ሰነዳትን ከይሓዙ ካብ ሞያሌ ብናይ ፅዕነት መኪና እናተጎዓዙ እናሃለዉ ሩዋራካ ኣብ ዝተብሃለት ናይ ኬንያ ግዝኣት ውሽጢ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ 29 ኢትዮጵያውያን፣ ዕላምኦም ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ንምሽጋር ከም ዝነበረ ዘ ስታንዳርድ ዝተብሃለ ናይ ኬንያ ጋዜጣ ፀብፂቡ፡፡
  እቶም ኢትዮጵያውያ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፖሊስ ኣብ ዝወዓሉሉ እዋን ዝሐሸ ስራሕ ንምድላይ ካብ ሃገሮም ከም ዝተሰደዱ ተዛሪቦም ክብል ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ ናብ ናይ እሱረኛታት መፅንሒ ንክኣትዉ ብምግባር ድማ ተወሳኺ ምርመራ ይግበረሎም ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
  እቶም ኢትዮጵያውያን ናብ ቤት ፍርዲ እንተቐሪቦም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናይታ ሃገር ግዝኣት ብምቁራፅ መንጀል ተኸሲሶም ክሳብ ሓደ ዓመት ዝበፅሕ እስራት ክፍረዶም ከም ዝኽእል ይግለፅ ኣሎ።

No comments:

Post a Comment