Tuesday, February 13, 2018

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ባሌ ናይቲ ስርዓት ሓይልታት ምክልኻል ናብ ህዝቢ ብዝተኮሱዎ ጥይት ሰለስተ ሰባት እንትሞቱ ሸውዓተ ድማ ከም ዝቖሰሉ ተገሊፁ።



  ኣብ ኦሮምያ ክልል ዞባ ባሌ ሜዳወላቡ ኣብ ዝተብሃለ ወረዳ ኣብ ናይ ዕዳጋ ቦታ ብሰራዊት ምክልኻል ናይቲ ስርዓት ብዝተተኮሰ ጥይት ኣርቦሊ አሊ ሳላድ፤ ጀባራ አድም፤ ጠይብ መሀመድ ዝተብሃሉ ሰለስተ ሰባት እንትሞቱ ካልኦት ሸውዓተ ድማ ከም ዝቖሰሉ ናይቲ ከባቢ ነበርቲ ገሊፆም። እዚ ከምዚ ኮይኑ እናሃለወ ካብ ዝሓለፈ ሶኒ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ረቡዕ ዝፀንሐ ናይ ንግዲ ምንቅስቓስ ጠጠው ናይ ምባል ኣድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ኦሮምያ ክልል ቦታታት ተግባራዊ ኮይኑ ቀንዩ እዩ። ናይ ንግዲ ምንቅስቓስ ጠጠው ናይ ምባል ኣድማ ካብ ዝተኻየደሎም ቦታታት ውሽጢ ነቀምቴ፤ ደምቢዶሎ፤ ሻምቡ፤ ምዕራብ ኣርሲ፤ ምዕራብ ሃረርጌ፤ አምቦን ካልኦት ከተማታትን ይርከቡዎም።   
  ብኻሊእ ወገን ድማ ኣብ ክልል ሃረር ዝርከብ ካብ ሶማሌ ኢትዮጵያ ዝተፈናቐሉ ሰባት ተዓቚቦም ዝነብሩሉ ሃማሬሳ ኣብ ዝተብሃለ ካምቢ ብዝተኸፈተ ተኹሲ ናይ ዜጋታት ህይወት ከም ዝሓለፈ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ገሊፆም። ናይ ምክልኻል ሰራዊትን ናይቲ ክልል ናይ ፀጥታ ሓይልታትን ብዝተኮሱዎ ጥይት ናይ ኣርባዕተ ሰባት ህይወት ምሕላፉን 11 ሰባት ከም ዝቖሰሉን ዝተገለፀ እንትኸውን፣ ኣብዚ ሐዚ ሰዓት እቶም ዝቖሰሉ ሰባት ኣብ ከተማ ሃረር ጀጉላን ህይወት ፋናን ኣብ ዝተብሃሉ ሆስፒታላት ናይ ሕክምና ረዲኤት ይግበረሎም ከም ዘሎ ተገሊፁ። 


No comments:

Post a Comment