ብቐፃሊ ዓርቢ ዝካየድ ስግደት ተኸቲሉ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ተቓዉሞ ከልዕሉ ይኽእሉ ተባሂሎም
ብድህንነትን ሓይልታት ፀጥታትን ናይቲ ስርዓት ዝተጠርጠሩ ካብ 10 ዘይዉሕዱ ነበርቲ ከተማ ወለድያ፣ ምንም ዝፈፀምዎ ገበን
ዘይብሎም ብዘይዝኾነ ሕጋዊ መትሓዚ ትእዛዝ ካብ ስራሕ ቦትኦም ተኣሲሮም ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐረቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ካብቶም ዝተኣሰሩ ዉሽጢ፣-
1.
ኢብራሂም ገበየሁ
2.
ወ/ሮ ሓያት ይማም
3.
ወ/ሮ ነሲሳ ኣሕመድ
4.
ወ/ሮ ሓያት ኣሕመድ
ዝተበሃሉ ዝርከብዎም ኮይኖም፤ ብፍላይ ከዓ ወ/ሮ ሓያት ኣሕመድ ካብ ትሓርስ ክልተ መዓልቲ ዘይመለአት
ኮይና፤ ናብ ቤት ማሰርቲ ዝተወሰደትሉ ግዜ ካብ ህፃን ዉላዳ ተፈልያ ከም ዝኾነት ካብቲ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።
እታ ሓራስ ትርከቦም ወገናት ምስተኣሰሩ ነባሪ ህዝቢ ኣብ ከባቢ ፖሊስ ጣብያ ተኣኻኽቦም ንኽለቅዎም ሕቶ
እኳ እንተቕረቡ፤ ሓላፍቲ እቲ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ኣባላቶም ኣዋፍሮም ብሓይሊ ከባርርዎም ከም ዝገበሩን፤ ኣብ ከተማ እስላም
ብጉጅለ ከይንቀሳቐሱ ይከታተልዎም ብምህላዎም ነበርቲ መንቀሳቐሲ ስኢና ክብሉ መረረቶም ኣብ ምስማዕ ከም ዝርከቡ እቲ ሓበሬታ
ወሲኹ ኣረዲኡ።