Tuesday, July 23, 2013

ኣብ ምብራቕ ኦሮሞ ስርዓት ወያነ ብዝፍፅሞ ኢ-ሰብኣዊ ተግባር ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣካልዊ ጉድኣት እንትበፅሖም፣ ሞይቶም ሓመድ ኣዳም ስኢኖም ብዝብኢ ዝተበልዑ ከም ዘለው ንምፍላጥ ተኻኢሉ።



ሊግ ሰብኣዊ መሰል ምብራቕ ኣፍሪካ ዝተበሃለ ትካል ኣብ ዘዉፅኦ ሪፖርት፣ ቅድሚ 10 መዓልቲ ፍሉይ ሓይሊ እናተባሃሉ ዝፅዉዑ ናይ ፌዴራል ፖሊስ ኣባላት ኣብ ክልል ኦሮሞ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ወረዳ ቀምቢ ቀበሌ ጋራ ወሎ ነበርቲ ብዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ፣-
1.          ኢብራሂም ሄኖ ወዲ ዕድመ 38
2.          ሙሃመድ ሙሳ ዕድመ 26
3.          መሃመድ የሱፍ ዕድመ 27
4.          ኑረድ እስማኤል ዕድመ 25
5.          ዓሊ ሙሃመድ ዕድመ 27
ካብቶ ብዙሓት ብከቢድ ቆሲሎም ኣብ ዉሽጢ ሃረር  ኣብ ዝርከብ ህይወት ፋና ዝበሃል ሆስፒታል ኣትዮም ካብ ሞት ንምድሓን ብሓይካም ክትትል እናተገብረሎም ካብ ዘለዉ ገሊኦም ምዃኖም እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ገሊፁ።
ኣባላት ፌዴራል ፖሊስ ኣብ መንጎ ክልል ሶማሌን ኦሮሞን መዋሰኒ ዶብ ንዝረአ ዘሎ ግጭት ከም ምኽንያት እናተጠቐሙ፣ ነቶም ተወለድቲ ኦሮሞ ካብ መረበቶም ብሓይሊ ክባረሩ ብምግባሮም፤ ኣብቲ ከባቢ ዝተረፉ ዓበይቲ ዓዲ ተወለድቲ ኦሮሞ ሞይቶም ቀባሪ ብምስኣኖም ብዝብኢ ከም ዝተበልዑ ትካል ሰብኣዊ መሰል ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ከባቢ ተወለድቲ ክልል ሶማሌ ሕቶ መሬት ኣብ ልዕሊ ኦሮም የብሎምን ዝበለ እቲ ሓበሬታ፤ ይኹን እምበር እቲ ቅድሚ 8 ወርሒ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኦሮሞ ዝካየድ ዘሎ ካብ መረበቶም ናይ ምስጓግ መስርሕ፣ መንግስቲ ኮነ ኢሉ ክልትኡ ክልል ንምግጫዉን ናይ ባዕሉ ቀፃሊ ኣጀንዳ ንምትዕርራይ ብፌዴራል ፖሊስ ዘፈፅሞ ዘሎ ስጉምቲ ሃገራዉን ዓለም ለኻዉን ሕጊ ዝጠሓሰ  መነወሪ ተግባር ከም ዝኾነ ኣገንዚቡ።