ትካል ባንክ ዓለም ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ፕሮግራማት ልምዓት ብምሕንፃፅ፣ ብፍላይ ድማ ካብ
1998 ዓ.ም ጀሚሩ ፕሮግራም ሓለዋ መሰረታዊ ኣገልግሎት (Protection of Basic Services) ብዝብል ብኣርባዕተ ተኸታተልትን ክልተ ተወሳኺ ድጎማ ገንዘብ ዝገብረሎም ፕሮግራማት ከካይድ ዝፀንሐ
እንትኾን፤ እዞም መሰረታዊ ዝኾኑ ኣገልግሎት ልምዓት ንምምላእ ዉጡን ወፂእዎም ዝካየዱ ፕሮጀክት ኣብ ትምህርት፤ ኣብ ጥዕና፤
ኣብ ሕርሻ፤ ኣብ ቀረብ ፅሩይ ማይ፤ ኣብ ስራሕቲ መንገዲ ገጠር፤ ወዘተ ንዝኣምሰሉ ስራሕቲ መፈፀሚ ዝዉዕል ሓገዝ ገንዘብ ካብ
13 ቢልዮን ዶላር ዝበልፅ ኮይኑ። ካብዚ እቲ 600 ሚልዮን ዶላር ባንክ ዓለም ክሽፍኖ ተፈቒዱ ዝነበረ ገንዘብ ኢህወዴግ ከም
ዝስእኖ ‘’ኢንስፔክሽን ፓናል’’ ዝተበሃለ ትካል ኣብ ዘዉፅኦ መፅናዕታዊ ፀብፃብ ኣፍሊጡ።
እቲ ዝወፀ ሓበሬታ ስርዓት ኢህወዴግ ካብ ባንክ ዓለም ክወሃቦ ዝፀንሐ ሓገዝ ካብቲ ዝተወጠነሉ ልምዓት
ፕሮግራም ወፃኢ ብመንገዲ ምክልኻል ስራዊትን ፌዴራል ፖሊስን ኣቢሉ ንመፈፀሚ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል መእሰሪ፤ መግረፊ፤ ኣገዲድካ
ምድፋር፤ ካብ መነበሪ ቦታ ምፍንቓል፤ ኣገዲድካ ሰፈራን ዜጋታት እናገፈዐ ሃገሮም ገድፎም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክስደዱ
መግባሪን (ጋምቤላ/ ኣኝዋክ ናብ ኬንያ) ምዉዓሉ ዝተቆጠዐ ባንክ ዓለም 600 ሚልዮን ዶላር ጥራይ ዘይኮነስ ንቐፃሊ ስርዓት
ኢህወዴግ ብሓገዝን ልቃሕን ክረኽቦ ዝነበረ ቢልዮናት ዶላር ክስእን ከም ዝኽእል ነቲ ትካል መሰረት ብምግባር ጎልጉል ዝተበሃለ
ድሕረ ገፅ ኣረዲኡ።