ንቤት
ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ኣምሓራ መሰረት ብምግባር ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ ቢሮ ሓለዋ ቅርሲ ናይቲ ክልል ታሪኻዊ ቦታት
ኣብ ምክንኻን ስርቂ ቅርሲታት ከይካየድ ሓላፍነታዊ ግዴትኡ ክዋፃእ ብዘምኽኣሉን በብእዋኑ ዝዓንዉ ታሪኻዊ ቦታትን ዝስረቐ
ቅርሲታትን ብዝለዓለ ናህሪ ይቕፅል ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
ኣብቲ
ክልል ካብ 3 ሽሕ ንላዕሊ ቅርሲ ዝተረከቦ ዋላ እንተሃለወ። ኣብ ሙዜየም
ብጥንቃቐ ተታሕዞም ንምርኢት ዝቐረቡ ቅርሲታት 13 ጥራይ ምዃኖም ዘረደአ እቲ ሓበሬታ ብፍላይ ኣብ ዝተፈላለዩ
ዞባታት ዝርከቡ መተካእታ ዘይብሎም ታሪኻዊ ቅርሲታት ዝግበረሎም ክትትል ዝተሓተ ካብ ምዃኑ ዝነቕለ ካብ ዓመት ናብ ዓመት
ዝጥፍኡ ቁፅሪ ምዉሳኹ ኣዚዩ ኣተሓሳሳቢ እናኾነ ከም ዝመፀ ኣርዲኡ።
ካብ
2001-2004 ዓ.ም ኣብ ዘሎ ግዜ ጥራይ እንተርኢና ካብ 67 ንላዕሊ ብዙሕ ታሪኽ ዝሓቖፉ ታሪኻዊ ቅርሲታት ምጥፍኦም ዋግኦም
ብገንዘብ ክትምኖም ዘይትእኽል ካብ ሃገርን ህዝብን ተባሕጒጉ እንትጠፍእ ዉፅኢት ብልሹዉ ኣሰራርሓ ቢሮ ሓለዋን ክንክንን ቅርሲ ናይቲ ስርዓት ምዃኑ የገንዝብ።