Saturday, July 27, 2013

ካብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝፍኖ ዝተበከለ ፈሳሲ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከቡ መነበሪ ኣባይቲ እናኣተወ ኣብ ጥዕንኦም ዓብዪ ሳዕቤን የስዕብ ከም ዘሎ ነበርቲ መረረቶም ኣስሚዖም።



ኣብ ዞባ ከተማ መቐለ ከባቢ ዝባን እንዳ-የስስ ዝርከቡ ነበርቲ ከም ዝበለዎ ካብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝወፅእ ርሳሓት ሸልትነት ብዝተመልኦ  መንገዲ እናተፈነወ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዝፈጥሮ ዘሎ ፀገም ሕቶ ምንባርን ዘይምንባር ኮይኑ እናሀለወ ብመንግስቲ ክሳብ ሕጅ ቆላሕታ ከም ዘይረኸቡ ኣረዲኦም።

 ካብቲ ዩኒቨርሲቲ መዓልታዊ ዝወፅእ ዓቐን ዘይብሉ ረሳሕ ማይ ሙሉእ ብሙሉእ ብከሚካል ዝተበከለ ምዃኑ ኣቐዲሙ ብሰብ ሞያ ዝተረጋገፀ እዩ ዝበሉ እቶም ነበርቲ ንሱ ዝፈጠሮ ፅዕንቶ ድማ ከባቢኦም መራብሒ ሃመማን ካልኦት ታህዋስያን ኮይኑ ኣዚዩ ዘፅልእ ከባቢ ካብ ዝኸዉን ልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ዘቑፀረ እንትኸዉን ክሳብ ሎሚ ምምሕዳር እቲ ዩኒቨርሲቲ ይኹን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ንሕቶ ህዝቢ ዕሽሽ ብምባሎም ህይወቶም ኣብ ኣተሓሳሳቢ ኩነታት በፂሑ ከም ዘሎ ገልፆም።

ብደረጃ ከተማ ይኹን ብደረጃ ቀበሌ ኣኼባ ኣብ ዝተገብረሉ ኣጋጣሚ ብዛዕባ  ካብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝወርድ ዝተበከለ ፈሳሲ ኣብ ልዕሊ ናይቲ ከባቢ ነባሪ ህዝቢ ዝፈጥሮ ዘሎ ፀገም ከይተለዓለ ዝሓለፈሉ መዓልቲ ከም የለን ቤት ማዘጋጃ መቐለ’ውን ብወገኑ ንሓለፍቲ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብተደጋጋሚ ነጊርናዮም ክሰምዑና ስለ ዘይከኣሉ እቲ ጉዳይ ልዕሊ ዓቕምና እዩ ዝብል ዘይሓላፍነታዊ ምላሽ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ሃቦም ፍታሕ ክንረክብ ኢና ዝብል ዝነበረ ተሰፍኦም ጠቕሊሉ ከም ዝፀልመተ ኣገንዚቦም።

    ኣብ መወዳእታ እቶም ነበርቲ “ፀገም መንግስቲ ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ዝባና ተሸኪምና ፀኒሕና ንምገቦን ንሰትዮን ተበኪሉ፤ ደቂና እቲ ረሳሕ ፈሳሲ ስለ ዝረግፅዎን ዝሕዝዎን ኣእጋሮምን ኣእዳዎምን ሻሕሪሙ ሓሚሞም፤ ወለዲ ብኣዝማ ተተሕዝና፤ ኮታ ኣብ ስራሕ ዉዕልና ብሰንኪ ሕማቕ ጨና መዕረፊ ስኢና ድቃስ ለይቲ ተሓሪሙና ንሳቐ ስለ ዘለና ካብ ሕዚ ንዳሕር ዓቕልና ስለ ዝተፀቀቐ ዝሰራሕናዮ ገዛና   ብሰንኪ መንግስቲ ዝፈጠሮ ፀገም ገዛና ዓፂና ክንለቅቕ ወድእና ኣለና” ክብሉ ብምረት ምግላፆም ተፈሊጡ።