Tuesday, July 16, 2013

ኣብ ከተማ ባህርዳር ንኣርባዕተ ዓመት ናይ ርሕቐት ትምህርቲ ክከታተሉ ዝፀንሑ ልዕሊ 500 ዝኾኑ ተምሃሮ ቦንድ ብዘይምግዝኦም ብዕላዊ ኣይትምረቑን ከም ዝተበሃሉ ዝበፅሐና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



 እዞም ወርሃዊ ገንዘብ እናኸፈሉ ብርሕቐት ክማሃሩ ዝፀንሑ ተማሃሮ ብ7 ሓምለ 2005 ዓ/ም ትምህርቶም  ዝዛዘሙ ዕላዊ ዝኾነ ስነ ስርዓት ምረቓ ክግበረሎም ናብ ክፍሊ ትምህርቲ ኣብ ዘቕረብዎ ሕቶ ቦንድ ከይገዛኩም  ብስነ ስርዓት ኣይትምረቑን ሰለ ዝተበሃሉ  በብውልቀ እናኸዱ ከም ተራ ሰርቲፊኬት  ክወስድዎ ከም ዝተገደዱ ተገሊፁ።
 እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ክልል ኣምሓራ ፍትሒ ቢሮ ሓላፊ ናይ ዉልቀ ጥብቅና ዝኾነ በዓል ስልጣን ብዉልቆም ኣብ ሞያ ጥብቕና ተዋፊሮም ንዝሰርሑ ዜጋታት ብመልክዕ ጉቦ ገንዘብ ንኽኸፍልዎ ሓቲትዎም ፍቓድኛታት ብዘይ ምዃኖም ምኽንያታት ፈጢሩ ከይሰርሑ ከም ዝኣገድዎም ተፈሊጡ።
 እቶም  ኣብ ወልቀ  ጥብቕና ተዋፊሮም ክሰርሑ ዝፀንሑ ዜጋታት  ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ ናይ ሰራሕ እገዳ ኣግባብነት ዘይብሉ ብምዃኑ ንክለዓለሎም ናብ ፌደራል ብምኻድ ንዘቕረብዎ ጥራዕን  ምስ ክልልኩም  ተረዳዲእኹም ስርሑ ካብኡ ዝሓለፈ ግና እንህበኩም መፍትሒ የለን ዝብል መልሲ  ስለዝተዋህቦም ኣብ ትሕቲ ስርዓት ወያነ  ኮይንካ ብነፃነት ብፍፁም ክስራሕ ኣይከኣልን እናበሉ መረረቶም ኣብ ምስማዕ ከም ዝርከቡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።