እቶም 600 ዝኣኽሉ ነበርቲ ወረዳ ወልቃይት ካብ ቀዋሚ መንበሪ
ኣባይቶም ብሓይሊ ፀጥታ ስርዓት ወያነ ተገዲዶም ወፅዮም ኣብ ማእኸል በረኻ ተድርብዮም ነቲ ወቕቲ ዘምፅኦ ዝናብን ቁሪን ፀሓይን
ንፋስን ተወሲኽዎ ኣብ ከቢድ ፀገም ከም ዘለዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እዞም ዜጋታት ኣብ ፈለማ መተካእታት ገዛኹምን ንብረትኩምን ግምት
ካሓሳ ክዋሃበኩም’ዩ ዝብል መብፀዓ ተኣትይሎም እኳ እንተነበረ ክሳብ ሕዚ ቆላሕታ ብዘይምርካቦም መፍትሒ ክግበረሎም ጥርዓኖም ኣብ
ዘቕረብሉ። ቦንድ ስለ ዘይዓደኩም ብመንግስቲ ዝዋሃበኩም ካሕሳ የለን ዝብል ምላሽ ከም ዝተውሃቦም ኣገንዚቡ።
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ እዞም ዜጋታት ጥርዓኖም ኣብ ወረዳን ዞባን ኣቕሪቦም
ኣወንታዊ ምላሽ ሰለ ዘይረኸብሉ ብመንገዲ ወከልትና ኢሎም ዝመረፅዎም ኣይተ ሕሉፍ ኣሰግድ፤ ኪዱ ኣስማማውን ወ/ሮ ኣሰፋች
ግደይን ናብ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዘቕረብዎ ጥርዓን እንተኾነ’ውን ካብቲ ናይ ወረዳን ዞባን ምላሽ ብዘይፍለ እንፈልጦ
ነገር የለን ክብሉ ከም ዝፋነውዎምን ተፈሊጡ።