ተኣሰርቲ
ካብ ዞባ ጎንጎፋ ወረዳታት ቁጫን ሰላም-በርን ብ28 ሰነ 2005 ዓ.ም ብፖሊስ ተወሲዶም ኣብ ኣርባ ምንጭ ቤትማእሰርቲ
ተታሒዞም ከም ዝርከቡ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ ነዞም ንፁሃት ሰባት
ንምፍታሕ ብ30 ሰነ ኣብ ገጠራት ዝነብር ህዝቢ ብሰላማዊ ሰልፊ ናብ ከተማ ሰላም-በር ብምኻድ “ዝተኣሰሩ ሰባት ዝፈፀምዎ በደል
የለን ይፈትሑ” ክብሉ ኣብ ዝሓተትሉ፣ ኣብቲ እዋን
ክሳብ 500 ዝበፅሕ ህዝቢ ኣብ ቁፅፅር ፖሊስ ክዉዕል ብምግባር ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ብምዉሳድ ቀጥቂጦም ዘፈራርሕዎም እንትኾኑ።
ብድሕሪኡ’ዉን 74 ሽማግለታት ዓዲ ናብ ከተማ ሃዋሳ ርእሰ ምምሕዳር ናይ’ቲ ክልል ከይዶም ዝተኣሰሩ ንኽፍትሑ ጥርዓን እኳ እንተስምዑ ዛጊድ ፍታሕ ከም ዘይተረኸበ ኣረዲኦም።
ኣስዒቡ
እቲ ሓበሬታ፣ ናይዞም ወገናት መእሰሪ ምኽንያት ነባሪ ህዝቢ ቁጫን ሰላም-በርን ኣብ ልዕሊ ስልጣን ሒዙ ዝርከብ መንግስቲ
ኢህወዴግ። ሕቶ መንነት፤ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳርን ዝርገሐ ልምዓታዊ ስራሕቲ ዘይምህላዉን ዝብሉ ርእሲ ሓሳባት ዝሓዘ ሕቶ
ከልዕል ቀንዲ መለዓዓልቲ ኮይንኩም ጎስጒስኩም ብዝብል ከም ዝኾነን ኣፍሊጡ።
ካብቶም
ኣብ ኣርባ ምንጭ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ካብ ዝርከቡ
ሰባት ንምጥቃስ፣-
1.
ኣይተ ደፋሩ ዶሪ ሰራሕተኛ ቢሮ ፋይናንስ
2.
ኣይተ ሻምበል ሽዋየ ኣብ ቢሮ ፋይናንስ ከይዲ ስራሕን ሓይሊ ሰብን ተቖፃፃሪ
3.
ኣይተ ኣማንኤል ጎተሮ ሰራሕተኛ ቢሮ ፋይናንስ
4.
ኣይተ መንግስቱ ማናየ 85 ዓመት ዕድምኦም ሽማግለ ገባር
5.
ኣይተ ሻንጋ ባሻ 84 ዓመት ዕድምኦም ሽማግለ ገባርን ካልኦትን ካብ ዉሽጢ እቶም ተኣሰርቲ 60 ሰባት
ገሊኦም እዮም፣
እዞም
60 ሰባት ተኣሲረምሉ ዘለዉ ምኽንያት ሕቶን መንነትን ምስ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር ዝተኣሳሰሩ ልምዓታዊ ሕቶታት። ናይ ነባሪ
ሕብረትሰብ ቁጫን ሰላም-በርን ሕቶ ደኣ እምበር ናይ ዉልቀ ሰባት ሕቶ ከም ዘይኮነ እኳ ድኣ ህዝቢ ንዝሓለፈ ዓመታት ብተደጋጋሚ
ሓቲቱ ምላሽ ስኢንሉ ዝፀነሐ ጉዳት ከም ዝኾነ ንዓበይቲ ዓዲ እቲ ከባቢ መሰረት ብምግባር እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ።