Tuesday, July 23, 2013

ኣብ ከተማ ባህርዳር ዝርከብ መካነ መቓብር እስልምና ንውልቀ ትካላት ብምዕዳል ዝመበገሲኡ ኣብ መንጎ ኣመንቲ እስልምናን ፖሊስን ግጭት ከም ዝተፈጥረ ተሓቢሩ።



ኣብ ዝቕንያት  ኣብ መንጎ ፖሊስን ነበርቲ ተኸተልቲ እምነት እስልማና ከተማ ባህርዳር  ግጭት ምውልዑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ ጠንቂ ድማ ኣብ ከባቢ  መቓብር  እስልምና ዝርከብ ስፍራ ሰበስልጣን ወያነ  “ሞይንኮ” ንዝተብሃለ ጋራጅ መኪና ስለ ዝዓድልዎ  ነቲ ዘይሕጋዊ ተግባር  ብምቅዋሞም ዝተፈጠረ ግጭት ምዃኑ ተገሊፁ።
    ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ኣመንቲ እስልምና ነበርቲ  ከተማ  ባህርዳር  መካነ መቓብርና ኣሕሊፍና ንሰብ ትካላት ኣይንህብን ብምባል፣ ነቲ ከባቢ ሓፁር ንምሕፃርን ተኽልታት ንምትካልን ኣብ ዝፈተንሉ እዋን፣  ፖሊስ ብሓይሊ ክዓግቶም  ብምፍታኑ ዝተለዓለ ግጭት  ምዃኑ  ድሕሪ ምግላፅ፣ እቶም ወገናት ንነዊሕ ዓመታት ንመቓብር ተሓዚኡ ዝፀንሐ እዩ ክብሉ ንዝምልከቶም ኣካላት  ጥርዓኖም ኣቕሪቦም እኳ እንተነበሩ ሰበ ስልጣን ወያነ ግና መሰል ህዝቢ ብምጥሓስ ብሓይሊ ክወስድዎ ፈቲኖም ምንባሮም ኣረዲኡ።   
   ኣብ መወዳእታ እቲ ሓበሬታ ፖለስ በቲ ዝተልዓለ ግጭት ምኽንያት ጌሮም ሼኽ ሙሃመድ ታከለን ሓደ ሸሙ ዘይተፈልጠ መራሒ መኪናን ዝርከብዎም  ንብዙሓት ዜጋታት ብሓይሊ ምስ ኣሰርዎም ህዝባዊ ተቓውሞ ብምልዓሉ ዝሰግኡ ሰበ ስልጣን ካብቶም ዝተኣስሩ ዝተወሰኑ ንምሸቱ ክፈትሕዎም ከም ዝተገደዱ ኣረዲኡ።