Saturday, July 20, 2013

ሃገር ኣቋራጭ ፅርግያ ለማልሞ ብ8 ሓምለ 2005 ዓ.ም ብዓበይቲ ኣእማን ብምዕፃዉ ካብ ናብን ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ተቛሪፁ ከም ዝወዓለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

እቲ ዓበይቲ ኣእማን ኮነ ተባሂሉ ኣብ ማእኸል ፅርግያ ብሰብ ዝተኾመረ ኮይኑ፣ ኣብቲ ዕለት  ሽረ ጎንደር ዝመላለሳ ዝነበራ ተሽከርከርቲ መካይን ብምሉአን መሕለፊ ስኢነን ንልዕሊ ሸዉዓተ ሰዓት ጠጠዉ ኢለን ከም ዝወዓላ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ ኣካላት ፀጥታ እቲ ስርዓት መን ዓፅይዎ ንገሩና ወይ ዓፀዉቱ ባዕልኹም ኢኹም እናበሉ ንነባሪ ህዝቢ እቲ ከባቢ ከፈራርሕዎ ከም ዝወዓሉ ተፈሊጡ።
ነባራይ ህዝቢ እቲ ከባቢ ብወገኑ “ኣብዚ ቦታ እንታይ መንግስቲ ኣሎ ዝቆፃፀሮ ኣካል ስለ ዘየለ መን ከም ዝዓፀዎ ኣይንፈልጥን ክሳብ ሎሚ ቆላሕ ኢልኩምና ዘይትፈልጡ ኣብ ሎሚ በፂሕኹም ክተመሓድሩና ኣይትኽኢሉን፤ ንፈልጦ ነገር የብልናን።” ብምባል ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ከይሃበ ዘፋነዎም እንትኸውን፤ ነቲ ኩነታት  ክትርኢ ካብ ሽረ ተፀዊዓ ዝኸደት ትብለፅ እትበሃል ትራፊክ ፖሊስ “መንግስቲ ኣብ ዘይቆፃፀሮ ቦታ መፂእና ክቐትሉና እዮም” እናበለት  ብፍርሒ ትዛረብ ከም ዝነበረት እቲ ዝመፀና  ሓበሬታ ገሊፁ።