ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝተፈላለዩ መኻዚኖታትን ትካላት ንግድን
ለይቲ ጉልባብ ብምግባር ብቐፃሊ ይስረቐ ዘሎ እንትኾን፤ ተበዳሊ ህዝቢ ኣብ ልዕልኡ ዝፍፀም ዘሎ ገበን ንኽፃረየሉ ንፖሊስ
ኣብ ዝሕብረሉ ሓላፍነት ተሰሚዕዎ ተኸታትሉ ዘፃሪ ኣካል ከም
ዘይተረኸበን፤ እኳ ደኣ ብኣንፃሩ ነቲ ተበዲሊ ሕብረተ ሰብ
ንስኹም ባዕልኹም እናሰረቕኩም ንመንግስቲ ክተፀልሙ ሰለ ዝደለኹም ኢኹም እናበሉ ካብቲ ፖሊስ ጣብያ ይሰጉዎም ከም
ዘለዉ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
በቲ ብምትሕብባር ፖሊስ ለያቡን ኣብ ከተማ ሽረ ዝካየድ ዘሎ ስርቂ ዋንነት ናይ ኣይተ ሃፍቶም ካሕሳይ
ዝተበሃለ ትካል መከፋፈሊ ኮካ ኮላ ብ14 ሰነ 2005 ዓ.ም ግዜ
መሪፆም ልዕሊ 200 ሽሕ ብር ጥረ ገንዘብ፤ ኣብቲ ዉሽጢ ዝነበረ ቴሌቭዥንን ሞባይልን ካልኦት ብቐሊሉ ዝቀሳቐስ ንብረታትን
ወሪሮም ከም ዝወስድዎ ካብቲ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።
ካብ ነባራይ ህዝቢ ክስርቁ እንተለዉ ብዓይኖም ዝተዓዘቡ ወገናት ምስቶም ለያቡ መንገሻ ዝበሃል ኣባል
ፖሊስ ከም ዝነበረ ንዝምከቶም ኣካላት እኳ እንተሓበሩ ክሳብ ሕዚ ነቲ ዝተጠቐሰ ኣባል ፖሊስ ይትረፍ ክእሰር ዝሓተቶ ኣካል ከም
ዘየለ የገንዝብ።