ኣብ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ኣብ ዝርከባ
ቀበሌታት ዝርከቡ እሙናት ኣመሓደርቲ ናይቲ ስርዓት ዉልቃዊ
ረብሕኦም ብምቕዳም ኩሉ ስራሕቶም ብግዕዝይና ዝተጨማለቑ ከም ዝኾኑ ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፣ ንዝኾነ ነባራይ ክወሃብ ዝግብኦ
ወረቐት መንነት ብሎሚ ፅባሕ እናተኣጓጎሉ ኣብ ክንድኡ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ንዝመፁ ሰባት ብቐፃሊ ብገንዘብ ይሸጡ ከም
ዘለዉ ብህዝቢ ምስ ተነቓሓሎም፣ ንባዕሎም ንኸይተሓዙ ብምስጋእ ኣብ ትሕትኦም ንዝሰርሑ ስራሕተኛታት ብምፅላም ኣሲረሞም ከም
ዝርከቡ ተፈሊጡ።
እቲ ብኣመሓደርቲ ዝፍፀም ዘሎ ምስ ምሻጥ
መንነት ወረቐት ዝተተሓሓዘ ግዕዝይና ፣ ኣብ መላእ ከተማ ሽረ ኮይኑ ብፍላይ ከዓ ኣብ ቀበሌታት 01ን 05ን ብሰፊሑ ክስራሓሉ ከም ዝፀነሐ፣ ነባራይ ህዝቢ ኣብዚ ሕዚ እዋን
ምስተነቓሓሉ ኣምሓዳሪ ቀበሌ 01 ኣብ ትሕትኡ ንትርከብ ሰራሕተኛ መዝገብ ቤት ዝኾነት ወ/ሮ ፋና ፍስሃ፣ ኣመሓዳሪ ቀበሌ 05
ከዓ ኣብ ትሕትኡ ንትርከብ ሰራሕተኛ መዝገብ ቤት ወ/ሮ ኣፀደ ሃይሉ፣ ነቲ ባዕሎም ብገንዘብ ክሸጥዎ ዝፀንሑ መንነት ወረቐት
ንሳተን ይፈፅመኦ ከም ዝፀንሓ ኣምሲሎም ብምኽሳስ ክእሰራ ከምዝገበሩ ተሓቢሩ እቲ ዝመፀና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ንብልሹዉ ኣሰራርሕኦም ንምሽፋን ሸበድበድ ክብሉ ዝተዓዘበ ህዝቢ ድማ ምንጪ ፈፀምቲ እቲ ግዕዙይ ኣሰራርሓ ኣመሓደርቲ ደኣ እምበር ታሕተዎት
ሰራሕተኛታት ኣበር የብሎምንን ብምባል ተቓዉምኡ ኣብ ምስማዕ ከም ዘሎ እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።