እቲ ብ5 ሓምለ 2005 ዓ.ም ብሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ኮሚኒከሽን ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ
ዕላምኡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ዝኾኑ በረኸት ስማኦንን ኩማ ደመቕሳን ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ኣብ ወልቓዊ
ረብሓኦም ብምውዓልን ብምጥፍፋእን ብግዕዝይና ብምጥልቃዮም ብሕጊ ክሕተቱ ህዝቢ ጥርዓኑ እናቕረበ ኣብ ዝርከበሉ እዋን ካብቲ
ዝስርሕሉ ዝነበሩ ቤት ፅሕፈት ናብ ካልእ ቀይርካ ክሰርሑ ምግባር
ዘይሕጋዊ ኣስረራሓ‘ዩ ብምባል ዝተኸየደ ምዃኑ ነቶም ተሳተፍቲ መሰረት
ጌሩ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
እቶም
ሰልፊ ዘካየዱ ሰራሕተኛታት ብፀረ ሙስና ዝካየድ ቁፅፅር እንተኾነ’ውን ብኣድልዎን ብግበረለይ ክገብረልካን ከም ዝስራሕ ድሕሪ ምግላፅ ነዚ መርትዖ ክኾነና ዝኽእል ብላዕለዎት ሰበ ስልጣን
ኢህወዴግ ዝተጠፋፈአ ብቢልዮናት ዝግመት ገንዘብ ሸለል ኢሉ እናሓላፈ ፀኒሑ ብኣንፃሩ ሕዚ ኣብ ከም በዓል ኣይተ መላኩ ፋንታ ዝኣምሳሳሉ ብሙስና ኣሳቢብካ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንምድጓኖም ስለ ተደለዩ
እምበር ሓቀኛን ግዕዝና ንምውጋእ ዝተገበረ ክሲ ከም ዘይኮነ ወሲኾም ኣረድኦም።
ነቲ ዝተኻየደ ናይ ተቓዉሞ ሰላማዊ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት
ኮሚኒኬሽን ዘተሓባበሩን ሰልፊ ክወፁ ካብ ዝጎስጎሱን ሰባት ወ/ሮ ምሕረት ሃይሉ ፀሓፊት ናይ ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ዝነበራን
ኣይተ ከበደ ጫቅሌ ሓልፊ ፀጥታ ቤት ፅሕፈት ኮሚኒኬሽን ከም ዝኾኑ እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ገሊፁ።