ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ
ወረዳ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ተመዲቦም ዝሰርሑ ፖላዊስ፣
ኣዘዝቲ ዝርከብዎም በብደረጅኡ ሓላፍትን መርመርቲን
ብህዝቢ ዝተወሃቦም ሓደራ ብኣግባቡ ዘይዋፅኡ እኳድኣ ብኣንፃሩ
ብዘለዎም ስራሕ ተጠቕሞም ብጉቦን ግብረለይ ክገብረልካን ሕጊ ብምዝባዕ ዘይግብኦም ሃፍቲ ኣብ ምኽዕባት ዝተዋፈሩ ምዃኖም፣
ብተደጋጋሚ ብነባራይ ህዝቢ ክግምገሙ ዝፀንሑ እንትኾኑ፤ ዝምልከቶም ኣካላት ንነቐፌታ ህዝቢ ዕሽሽ ኢሎም ብግዕዝይና ጠልቅዮም
ኣብ ስርሖም ክቕፅሉ ክገብሩ ፀኒሖም ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና እቲ ግዕዙይ ኣካይድኦም ሸፊንካ ዘይሽፈን ኮይንዎም ንህልዉንኦም
ዝፋታተን ኮይኑ ስለ ዝረኸብዎ ስጉምቲ ክወስዱ ከም ዝተገደዱ እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
በዚ መሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ቤት
ፅሕፈት ፖሊስ ሽረ-እንዳስላሰ ካብ ዝተኻየደ ካብ ሓላፍነት ምዉራድን ምብራርን ስጉምቲ ገለ ንምጥቃስ፣-
1.
ዋና ኢንስፔክተር ክብሮም መሓሪ ሓላፊ ክፍሊ ገበን ምፅራይ ዝነበረ ብሙስና ብዙሕ ግዜ ክግምገም ሰለ
ዝፀነሐ ካብ ሓልፍነቱ ናብ ተራ መርማሪ።
2.
ሙሉ በርሀ ዝተበሃለ ዋና መርማሪ ዝነበረ
ክፍፅሞ ብዝፀነሐ ተደጋጋሚ ግዕዙይ ኣሰራርሕኡን ተገምጊሙ ጠቕሊሉ ካብ ምርመራ ወሪዱ ናብ ተራ ሓለዋ ዋርድያ።
3.
ጋሻዉ ዝተበሃለ ፍሉጥ መርማሪ ናብ ተራ ኣባል።
4.
ብርሃነ ሽሻይ ዝተበሃለ መርማሪ ምስ ዉድብ ዴምህት ርክብ ኣለካ ብዝብል ጠቐነ ብዙሕ ግዜ ክእሰርን
ክፍታሕን ዝፀነሐ ኮይኑ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ጠቕሊሎም ካብ ኣባል ፖሊስ ክባረር ከም ዝገብርዎ ተፈሊጡ።
ስርዓት
ወያነ ኢህወዴግ ብዝኽተሎ ዘይምዛናዊን ዝንቡዕ ፍትሓዊ ኣሰራርሓ ዝተሓረሞ ምሕደርኡ ብግዕዝይና ዝተጨማለቐ ሰብ ኣብ ዝነበሮ
ስራሕ ተመሊሱ ከምዘይሰርሕ ንዝብል ሕጊ ብምጥሓስ ካብ ዝነበሮም መዝነት ጥራሕ ኣውሪዱ ክቕፅሉ ምግባሩ ሕጋውነት ከም ዘይብሉ መላእ
ነባራይ ህዝቢ ሽረ እንዳስላሰ ኣብ ዝረኸቦ ኣጋጣሚታት መረረቱ ካብ ምግላፅ ሓሊፉ ኣብቲ ስርዓት ዘለዎም ፅልኣት ሓደ ኣካል ኮይኑ
ተቓውሞ ኣብ ምስማዕ ስለ ዝርከብ ነዚ ኣንፈቱ ንምቕያር ተባሂሉ ዝተገብረ ከይኮነ ከም ዘይተርፍ ተዓዘብቲ የረድኡ።