ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ሰሜን ምዕራብ
ኣብ መንጎ ወረዳታት ኣስገደ ፅምብላን ማይ-ፀብርን ኣብ ዝርከብ ቢንቶ-ሩባ ተከዘ (ፋንዱቋ) መንግስቲ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ
ከባብያዊ ፀጥታ ክሕልዉ ኢሉ ካብ ዘዋፈሮም ፌዴራል ፖሊስ ዉሽጢ ክልተ ኣባላት ብ5 ሓምለ 2005 ዓ.ም ለይቲ ተቐቲሎም ከም
ዝሓደሩን መን ከም ዝቐተሎም ክሳብ ሕዚ ከም ዘይተፈለጠን ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቶም ብቑንጣሮ ማሃያ ተዓሽዮም ህልዉና ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ንምዉሓስ ኣብ በረኻ ሩባ ተከዘ ኣብ ሓለዋ
ተዋፊሮም ዘለዉ ኣባላት ፌዴራል ፖሊስ ግዝያዊ ረብሓታት ንምርካብ ኢሎም እንተዘይ
ኮይኖም፣ ነቲ ስርዓት ከገልግሉ እምነት ከም ዘይብሎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ ብዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ሓደጋ እንተጋጥሞም ዉሕስና
ከም ዘይብሎምን ከም ዉፅኢቱ ከዓ ንቤተሰቦም እዙይ ዝበሃል ካሕሳ
ይኹን ኣፍልጦ ከይተወሃቦም ክተርፍ ይዕዘቡ ብምህላዎም፣ መዓልታዊ ዝጠፍኡ ኣባላት ፌዴራል ፖሊስ ቁፅሮም ካብ መዓልቲ ናብ
መዓልቲ እናዛየደ ይኸይድ ከም ዘሎ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ።