Monday, July 22, 2013

ልኡኽ ጉጅለ ፓርላማ ኣውሮፓ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሃገርና ኢትዮጵያ ዝርከቡ ጋዜጠኛታትን መራሕቲ ሲቪክ ማሕበራትን ንኽፍትሑ ናብ ሰበ ስልጣን ወያነ ኢህወዴግ ሕቶ ከም ዘቕረበ ተፈሊጡ።



  ብወ/ሮ ባርባራ ሎክብሂለር መሪሕነት ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ኢትዮጵያ ምብፃሕ ዘካየደ ጉጅለ ኣባላት ፓርላማ ኢወሮፓ ከም ዝገለፆ። ጋዜጤኛታትን መራሕቲ ስቪክ ማሕበራትን ሕገ መንግስታዊ መሰሎም ተጠቂሞም  ሓሳቦም ብነፃ ብምግላፆም። ኣብ ስልጣን ብዝርከብ መንግስቲ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣግባብ ስለ ዘይኮነ ክፍትሑ ኣለዎም ክብሉ ገሊፆም።
  እቲ ልኡኽ ጉጀለ ወሲኹ ከም ዝገለፆ። ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ረቒቑ ዝስራሓሉ ዘሎ ፀረ ሽብር ሕጊ። ንፖለቲካዊ ኣፈላላይን ንዜጋታት መዕፈንን ይውዕል ኣሎ ድሕሪ ምባል። ሕገ መንግስቲ እንተኾነ’ዉን  ኣብ ኣፈፃፅማ ብኣግባቡ ይትርጎም ከም ዘየለን። ኣድልዎ ይስራሕ ከም ዘሎ ተዓዚብና ብምባል ንዝምልከቶም  ኣካላት ከም ዝሓበሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
    እቶም ልኡዃት ኣተሓሕዞም ናብ ቤት ማእሰርቲ ቃሊቲ ከይዶም እሱራት ንምዕዛብ ኣብ ዝሓተትሉ እዋን ዝረኸብዎ ምላሽ ምሳኹም ንምኻድ ጊዜ የብልናን ክብሉ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ሓላፊ ከም ዝኸልከሎም። ናይቲ ጉጅለ ኣባል ጆርጅ ሊች ትፊልድ  ንአሶሼትድ ፕሬስ ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ ገሊፆም።
  ቃል ወሃቢ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ካብቶም ልኡዃት ሕብረት  ኣውሮፓ ንዝቀረበሉ ሕቶ፣ “ኣብዛ ሃገር ናይ ፖለቲካ እሱር የብልናን እዞም ተኣሲሮም ዘለዉ መራሕቲ ሲቪክ ማሕበራትን ጋዜጠኛታትን ድማ ናይ ሽበራ ገበን ክፍፅሙ ስለ ዝተረኸቡ እዮም” ብዝብ ምላሽ ኣብቲ መጀመርያ ከታሊሎም ፈቲኑ እኳ እንተነበረ። ድሕሩ እቶም ልኡኻት ግና ኣብ ባይታ እቲ ሓቂ ብኣንፃሩ ኮይኑ ከም ዝረኸብዎ ኣረዲኦም።