ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ መተማ ዝነብር
ህዝቢ ንህይወቱን ንብረቱን ዉሕስና ዝኾኖ ኣካል ስኢኑ ኣብ ከቢድ ቅልዉላዉ ወዲቑ ይርከብ ዝበለ እቲ ሓበሬታ፣ ብፍላይ ከዓ በቲ
ኣብዚ ሕዚ እዋን እናተበራኸተ ዝኸይድ ዘሎ ስርቂ ጥራይ ከይኣክል ኣብቲ ህይወት ሰብ እናጥፋእኻ ዝፍፀም ዘሎ ስርቂ ፖሊስ
ዝለዓለ ኢድ ዝርከቦ ዘለዎ ብምዃኑ ነባሪ እቲ ከባቢ ዝኾነ ሕብረትሰብ የማን ፀጋም ጠሚቱ መፍትሒ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ ኣብ
መገዛእ መረበቱ ሓርቢትዎ ከም ዝርከብ ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ።
ከም መቐፀልታ ናይዚ መነወሪ ተግባር ብ9 ሓምለ 2005 ዓ.ም ኣብ ዉሽጢ ከተማ መተማ ንሓለዋ ፀጥታ
ዝተዋፈሩ ኣባላት ፖሊስ ንበዓል ሃፍቲ ነጋዳይ ኣይተ ኣሳምነዉ ግርማ ዝተበሃለ ተወላዲ ማይ-ፀብሪ፣ ፀልማትን ከዉሊ ቦታን
ተጠቕሞም ገንዘብ ከፍለና ኢሎም ሓቲተሞ ኣይህብን ምስ በሎም፤ ብገበን ዝተጠርጠረ ኣምሲሎም ብምሓዝ ክልተ ፖላዊስ እናቀጥቀጡ
ክወስድዎ ከም ዝተረኣዩን፣ ንፅባሕትኡ ንጉሆ ከኣ ኣብ መገዲ
ሞይቱ ተደርብዩ ስለዝተረኸበ ነባራይ ህዝቢ እቲ ከባቢ ነቲ እከይ ተግባር ፖሊስ ፈፂሞሞ ክብል ሓሳቡ ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከብ
ንምፍላጥ ተኻኢሉ።