እቲ ብ10 ሓምለ 2005 ዓ.ም ካብ ከተማ ጎንደር ናብ ሽረ ብርክት ዝበለ ባዴላን ኣፍራዛን ዝዓይነቱ
ንብረት፤ ሓለፍቲ ቢሮ ሕርሻ ልምዓት ገጠር ክልል ኣምሓራ ኣብቲ ክልል ንዝነብር ህዝቢ ተኸፋፊሉ ንኽስራሓሉ ዝተረከብዎ ንብረት
ንሕጋዊ ስራሕ ዝለኣኽ ዘሎ ኣምሲሎም ብመንገዲ ወከልቶም ኣብ ክልል ትግራይ ኣትዩ ክሽየጥ ዝተፀዓነ ከም ዝኾነ ዝበፀሓና ሓበሬታ
ኣረዲኡ።
እታ በዝሒ ዘለዎ ባዴላን ኣፍራዛን ዝፀዓነት መኪና ኣብ ኬላ ደባርቕ ክትበፅሕ ብፈተሻ ሓለዋ ተታሒዛ
እኳ እንተነበረት፤ ሓላፊ ናይቲ ኬላ ሓለቓ ሓምሳ ጉግሳ ረዳ
ዝተበሃለ ግና ክሓልፉ እንተደልዮም ጉቦ ክኸፍልዎ ነቶም ወኪላት ሰለ ዝሓተቶም፣ ብመሰረት ሕትኡ 3 ሽሕ ቅርሺ ጉቦ ምስ ሃብዎ፤
ነቲ ተታሕዙ ዝነበረ 20 ሽሕ ኣፍራዛን 15 ሽሕ ባዴላን ከምኡ‘ዉን ነታ ተፃዒና ዝነበረት ቁፅሪ ታርጋ 00139 ኣሱዙ
ዝዓይነታ መኪናን ባዕሉ ሓላፍነት ወሲዱ ምፍናዉ ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ተኣሳሲሩ ዝፈፀሞ ዘሎ ርኡይ ገበን
ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።