እቲ ኣብ ከተማ መቐለ 15 ሓምለ 2005 ዓ/ም ኣብ ሰዓት 3 ቅድሚ ቀትሪ ዝጀመረ ብተምሃሮ
ዲፓርትመንት ተፈጥሮ ሳይንስ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝተኻየደ ተቓውሞ
ሰለማዊ ሰልፊ፤ ዕላማ እቲ ሰልፊ ተምሃሮ ትምህርቲ ቅድሚ ምጅማሮም 6ተ ዓመት ብተኸታታሊ ትምህርቶም ክቕፅሉን፤
ድሕሪ 4ተ ዓመት ድማ ብተፈጥሮ ሳይንስ ብባችለር
ድግሪ ተመሪቖም ኣብተን ዝተረፋ ክልተ ዓመት ድማ ብሰነ ትምህርቲ /ፐዳጎጂ/ ክማሃሩ ዝብል መብፅዓ ተኣትዩሎም ምንባሩ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ በቲ ውዕሎም መሰረት ንኽምረቑ ኣብ ዝሓትሉ እዋን ድማ ኣሉታዊ መልሲ ስለ ዝተዋሃቦም ናይ ተቓውሞ
ሰለማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱ ካብ ከተማ መቐለ ዝተረኸበ ሓበሬታ
ገሊፁ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ እቲ ናይ ተቓውሞ
ሰለማዊ ሰልፊ ንኽብተን ፕረዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ዶ/ር ክንደያ ትእዛዝ ዘመሓላለፉ
እንትኾን፤ እቶም ተምሃሮ በቲ ተግባር ከይተሰናበዱ ብተወከልቶም ኣቢሎም ምስ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ፕረዝደንት ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ
ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ምላሽ ክንገሮም ምዃኑ ቃል ተኣትዮምሎም እንተነበረ እኳ ዛጊድ ግን ውፅኢት ክርኽብሉ ከም ዘይከኣሉ ገሊፁ።