Saturday, October 12, 2013

ኣብ ከተማ ጎንደር ህዝቢ ዘግፍዑ ዝነበሩ ክልተ ፌደራል ፖሊስ 26 መስከረም 2006 ዓ/ም ዘዉግሕ ለይቲ ተቐቲሎም ከም ዝሓደሩ ካብታ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣



ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ከተማ ጎንደር ጥቓ ኣኽሱም ሆቴል ቀታሊኦም ዘይተፈልጠ ክልተ ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ዝኾኑ ምክትል ሳጅን ይፍጠር ዓሊን ደመላሽ ይርዳው ሞይቶም ከም ዝተረኸቡ ክብ ከተማ ጎንደር ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

  እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ካብ’ቶም ተቐቲሎም ዝተረኸቡ ክልተ ኣባላት ፌደራል ፖሊስ  እቲ ሓደ ብኻራ ተወጊኡ እንትመወት። እቲ ካልእ ከዓ ብምንታይ ከም ዝተቐትለ ንፁር ሓበሬታ ከም ዘይተረኽቦ ድሕሪ ምግላፅ። እቲ ዓጢቖሞ ዝነበሩ ብረት ድማ  ወሳዲኡ ከም ዘይተፈለጠ  ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

    ኣብ መወዳእታ። እቲ ኣብ ልዕሊ ፖላዊስ ስርዓት  ወያነ -ኢህወዴግ ዝዉሰድ ዘሎ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ኣብ ምሉእ ሃገርና ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ። እቲ ኣብ ከተማ ጎንደር ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣባላት ፌዴራል ፖሊስ ናይ ምቕታል ስጉምቲ እዉን ህዝቢ ኣብ ብሉኡዃት ወያነ ብዝበፅሖ ዘሎ ግፍዒ ተገዲዱ ዝፍፅሞ ዘሎ ክኸውን ከምዝኽእል ገለ ወገናት ኣብ ምግላፅ ከምዝርከቡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።