Saturday, October 12, 2013

ነበርቲ ወረዳ መተማ ናብ ሱዳን ሰባት ተስግሩ ኣለኹም እናተብሃሉ ብካድረታት ወያነ ግፍዕታት ይበፅሖም ከም ዘሎ። ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ገሊፁ፣



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ነበርቲ ወረዳ መተማ ብዘይሕጋዊ መንገዲ  ናብ ሱዳን ዜጋታት ተመሓላልፉ ተስግሩ ኣለኹም  ብዝብል ናይ ሓሶት ጠቐነ።  ብካድረታትን ኣባላት ደህንነትን ወያነ  ይቕጥቀጡን ይእሰሩን ምህላዎም ገሊፁ፣

   በቲ መርትዖ ዘየብሉ መፀለምታ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዓት ወያነ ተዳጒኖም ይሳቐዩን ይቕጥቀጡን ካብ ዘለዉ ወገናት ድማ።  ሽሻይ ገበረሰለማ፤ ሞገስ ፍስሃ፤ ኣስረስ ባይሳን  ካልኦትን ምዃኖም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። እቶም ዜጋታት ቤት ፍርዲ ብዘይፈልጦን ክሲ ከይተመስረቶም ብሓይሊ እመኑ እናተባሃሉ ኣብ ነብሶም ብዝበፅሖም መግረፍቲ ኣካል ጉዳት  ይበፅሖም ከም ዘሎን ከይሕከሙ ድማ ከም ዝተኸልከሉ እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ፣

     ከም ዝፍለጥ ኣብ ዝቐረባ መዓልታት ብሰንኪ ጉዕዙይ ምሕደራ ወያነን ስራሕ ስእነትን ተማሪሮም ብሱዳን ኣቢሎም ናብ ስደት  ኣብ ልዕሊ ዘምርሑ ዝነበሩ መንእስያት።  ካብ ፖላዊስ ወያነ ብዝተተኮሰሎም ጥይት 4 ከም ዝሞቱን 6 ድማ ከም ዝቖሰሉ ኣብ ዝሓለፈ ምቅላዕና ዝከር፣