Saturday, October 12, 2013

ኣብ ከተማ ሑመራ ዝርከቡ ተጋደልቲ ህወሓት ነበር ንምስሉይ ኣካይዳ ስርዓት ወያነ ይነፅግዎ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣



ኣብ ዞባ  ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሰቲት ሑመራ ብመራሕቲ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ዝተፀወዐ ንተጋደልቲ ህወሓት ነበር ጥራይ ዝምልከት ኣኼባ ብ27 መስከረም 2006 ዓ.ም ኣብ ዘካየድዎ ርክብ መንግስቲ ፍሉይ ጠመተ ጌይሩ ክሕግዞም ተበጊሱ ከም ዘሎን ንኣሰራርሓ ክጥዕም ክዉደቡ ከም ዘለዎምን ብመራሕቲ እቲ መድረኽ ዝቐረበ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ በቶም ተኣከብቲ ተቓባልነት ከም ዘይረኸበ ካብ’ታ ከተማ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣

እቶም ተኣከብቲ ተጋደልቲ ህወሓት ነበር ነቲ ብኮራኹር እቲ ስርዓት ዝቐረበ ዛዕባ “እዚ ተቐብዎ ዘለኹም ሓሳብ ንዝሓለፉ 22 ዓመታት ብተደጋጋሚ ተዘሪቦም ግን ኣብ ተግባር ንዘይሽረፉ መብፃዓታት ምሉእ ዕድመና ክንዕሾ ኣይንነብር። ሎሚ ይኹን ፅብሕ ንዓኹም ንምቁፅፃር ክጥዕመኩም ኢልና ብናይ ሕልሚ እንጀራ ንዉድብ ተጋዳላይ ነበር ወይ ከዓ ህዝቢ የለን ክብሉ መረረ ዝተመልኦ ተሪሪ ምላሽ ብምሃቦም እቲ ኣኼባ ብዘይፍረ ከምዝተበተነ ንተኻፈልቲ እቲ ኣኼባ መሰረት ጌሩ ዝበፀሓና ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ፣