Thursday, October 10, 2013

ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይን ግንባር ህዝቢ ኢትዮጵያ ንፍትሕን ማዕርነትን ውህደቶም ኣመልኪቶም ናይ ሓባር መግለፂ ኣውፂኦም፣




ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ዝወርዶ ጭቆናን ስቓይን ነፃ ንምዉፃእን መሰሉ ንምኽባርን ንነዊሕ ዓመታት ዘካየዶ ዓቕልኻ ዘፀንቅቕ ቃልሲ። እናተበራረዩ ብዝመፁ ናይ  ዉሽጢ ሃገር ኣምባገነናት ገዛእቲ መሰሉ እናተጋሓሰ ትምኒቱ ከይሰመሩ ኣብ ዝኸፈአ ኩነታት ከም ዝርከብ። ዉድባት ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይን ግንባር ህዝቢ ኢትዮጵያ ንፍትሕን ማዕርነትን ኣብ ዘዉፅእዎ ሓበራዊ መግለፂ ኣፍሊጦም፣

ብፍላይ እቲ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ጠላም ስርዓት ወያነ ኢህወደግ ህዝባዊ ሕቶ መሰረት ጌሩ ኣብ ዘበገሶ ዕጥቃዊ ቃልሲ። ጭቁናት ህዝብታት ኢትዮጵያ ነፃነቶምን መሰሎምን ንምዉሓስ ኣብ ጎኑ ተሰሊፎም ኣብ ዘካየድዎ መወዳድርቲ ዘይርከቦ መሪር ዕጥቃዊ ቃልሲ ብዝተኸፈለ ሂወት ብኣማኢት ኣሻሓት ሰማእታት ኮረቻ ስልጣን ምስ ተቖፃፀረ ዘበገሶ ህዝባዊ ዓላማን ሓደራ ስዉኣትን ክሒዱ ካብ ፋሽሽቲ ስርዓት ደርግ ብዝኸፈአ መልክዑ  ዜጋታት ዓፊኑ፤ ዴሞክራስያዉን ሰብኣዉን መሰላት ረጊፁ፤ ኩሎም ሰላማዉን ዴሞክራስያዉን መማረፂታት ቃልሲ ብምዕፋን ንባዕሉ ቀንዲ ዉድብ ኢሉ ብምስያምን ብትዕቢት ዝተባዕጠ ኣምባገነናዊ ኣገዛዝኣ ስልቱ ኣጠናኺሩ ይቕፅለሉ ከም ዘሎ እቲ መግለፂ ኣረዲኡ፣

ካብ ሓደ ኣምባገነንን ገባርን ሓዳግን ስርዓት ከም ህዝቢ ነፃ ንምዉፃእ ትኽክለኛ መንገዲ ቃልሲ ምዃኑ ዘየወላዉል እዩ ዝበል እቲ ናይ ሓባር መግለፂ። ብምዃኑ ድማ ህዝብታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕልኡ ተፃዕንዎ ካብ ዘሎ ጨቋኒን ዓፋኒን ስርዓት ኢህወዴግ ንምንጋፍ። በብኣንፈቱ ዕጥቃዊ ቃልሲ ሓዊስካ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ እናተኻየደ ምኳኑ፣ “ንሕና ዓላማና ነቲ ዘሎ እዋናዊ ህዝባዊ ሕቶ ንምምላስን ኣብ ሽትኡ ንምብፃሕን ክሳብ ዝኾነ ቃልስና። ብተነፅል ካብ ምክያድ ብሓደ ተወሃሂድና ዝጠንከረ ሓይሊ ብምፍጣር። ሓድነትና ብዝተኣማምን ኣጠናኽርና ኣደልዲልናን ዓላማ ቃልስና ሽትኡ ንኽወቅዕ። ዘድሊ መስዋእቲ ንምኽፋል ድሉዋት ኣለና” ብምባል። ንመላእ ጭቁን ህዝቢ ኢትዮጵያ ክልትኦም ዉድባት ኣብቲ ዘዉፅእዎ ናይ ሓባር መግለፂ ኣበሲሮም ኣለዉ፣

  ኣብ መወዳእታ። ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ምክያድ ካብ ዝርከቡ ዉድባት ፖለቲካ ዴሞክራስያዉ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴምህት/ን ግንባር ህዝቢ ኢትዮጵያ ንፍትሕን ማዕርነትን /ግህኢፍማ/ን ንዘማናት ምላሽ ዘይረኸበ ሕቶ ነፃነትን መሰልን ህዝብታት ኢትዮጵያ ግቡእ መልሲ ንኽረብ ክልትኦም ዉድባት ብሓባር ምስራሕ ካብ ዝጅምሩ ዓመታት ተቖፂሩ ኣሎ። ስለዚ “ኣብ መንጎ ክልትኤና ፖለቲካዊ ዉድባት ናይ ዓላማ ኮነ ናይ ፕሮግራም መሰረታዊ ኣፈላላይ ስለ ዘየለ። ኣብ ሃገርና ንዘሎ ብለትካዊ ኩነታት ብዕምቖት ብምግምጋም ንዝበለፀ ስራሕ ካብ 18 መስከረ 2006 ዓ.ም ኣትሕዝና ናብ ዉህደት ተሰጋግርና ኣለና” ክብሉ ኣብቲ ዘዉፅእዎ መገልፂ ኣፍሊጦም፣